News
“ጉዳዮም ጉዳይ ወንበር እዩ ” – ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ

“ውዕሊ ፕሪቶርያ መንግስትና ኣፍሪሱ ዝብል ሓሳብ ዘለዎም ጉዳዮም ጉዳይ ወንበር እዩ ” – ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ
ኣብ ህዝባዊ ዋዕላ ዞባ ደቡብ ምብራቕ መበገሲ ሓሳብ ዘቕረቡ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ፤ ንወንበር ክበሃል ዕማማት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከይፍፀሙ ናብ ምትዕንቃፍ እዩ ተኣትዩ ኢሎም።
ሐዚ ‘ዘሎ ኣፈላላይ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ወንበር ናይ ምሓዝ እምበር ኣብ ውሽጢ ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝበሃል ከም ዘይኮነ ክፍለጥ ኣለዋ ኢሎም።
ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ካብ ዘልዐልዎም ተወሰኽቲ ነጥብታ ፦
★ ሓድነት ህዝቢ ንምዝራግ ዝግበር ምንቅስቓስ ዕላምኡ ስልጣን ንምሓዝ ዝግበር ምንቅስቓስ እዩ።
★ ንስልጣን ክበሃል ወፍሪ ፀለመ ይካድ ኣሎ።እዚ ወፍሪ ፀለመ ፀላእትና ክጥቀሙሉ ዝዕድም እዩ።
★ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ተመዛበልትን ስደተኛታትናን ናብ መረበቶም ኣብ ምምላስ ብትኹረት ክስራሕ እዩ።
★ ኣብ ማሕበረ ቁጠባዊ ንሰርሖም ስራሕቲ ክንድቲ ዝግባእ ኣይሰራሕናን ። ሐዚ ኣጠናኺርና ክንከደሉ ኢና።
★ ምምላስ፣ ምፅምባርን ምጥያሽን ሓይልታት ፀጥታ ስርዓት ብዘለዎን ድሕንነት ህዝብና ናብ ሓደጋ ብዘየእቱ መንገዲ ንምፍፃም እዩ ዝስራሕ ዘሎ።
★ ኣብ ፍትሕን ምሕደራን ዝረኣዩ ጉድለታት ኣለው።
★ ኣብ ውሽጢ ውድብ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ኣፈላላይ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ክዘርግ ኣይግባእን ዝብሉን ካልኦትን ኣልዒሎም ።
ተሳተፍቲ ህዝባዊ ዋዕላ ደቡብ ምብራቕ ኣብ እዋናዊ ጉዳት ትግራይ ፣ ምላሽ ክረኽቡ ይግባእ ሕቶታት ህዝብ ኣብ ምቕራብ ይርከብ ፣ተወሳኺ ድማ ክነስዕብ ኢና ።