News

“ብዝሰልጠነ መንገዲ ክንፈትሖ ኢና” ፕሬዝደንት ጌታቸው

Published

on

“ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምስናይ ብዝሰልጠነ መንገዲ ክንፈትሖ ኢና” ኢሎም ፕሬዝደንት ጌታቸው

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ካብ ነበርቲ ዓብዪ ዓዲ ንዝተልዓለሎም ሕቶን ሪእቶን መብርሂ ሂቦም::

“ድሕሪ ሐዚ ህዝቢ መራሒ ዝፈርሐሉ ዕድል ኣይህሉን” ዝብል ካብ ወሃብቲ ሪእቶ ንዝተልዓለ ሓሳብ፡ “ቃልሲ ለውጢን ዕብየትን ምጅማርኩም ዘረድእ እዩ” ኢሎም ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ።

ተመለስቲ ሰራዊት ተረባሕቲ ዝኾኑሉ መስርሕ ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና ዝበሉ እቶም ፕሬዝደንት ትካላት ትእምት ናብ ረብሓ ህዝቢ ዝውዕላሉ መስርሕ ክነመቻቹ ኢና ኢሎም።

ምስ ምሕደራ ተተሓሒዙ መን ይምራሕ ዘይኮነስ ከመይ ይመርሕ ኣብ ዝብል መትከል መሰረት ብምግባር ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

ሆስፒታልን ዩኒቨርሲትን ንምስራሕ ምስ ዝኾነ ኣካል ክላዘብ እየ ዝበሉ እቶም ፕሬዝደንት ሱር ኮንስትራክሽን ነተን ተጀሚረን ዝተቛረፃ ስራሕቲ መሰረት ልምዓት ኣብ ቀረባ እዋን ንክጅምር ምርድዳእ ኣሎ ኢሎም።

ዘይሕጋዊ ዕደና መዓድን ዝምልከት ካብ ውሽጢ ዓዲ ክሳብ ወፃእተኛታት ዝተሳተፍሉ እዩ ድሕሪ ምባል ነዚ ኣብ ምፅራይን ናብ ተሓታትነት ኣብ ምስጋርን ምምሕዳሮም ጠንኪሩ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።

ትካላት ፍትሒ ኢድ ኣእታውነት ዝኾነ ሓይሊ ከይሃለወን ብነፃነት ክሰርሓ ኣብ ምግባር ከም ዝሰርሑ እውን ተዛሪቦም።

ሰላምና ንምውሓስ ረብሓ ትግራይ ምስ ዘረጋግዘፅ ዝኾነ ሓይሊ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም::

ምስ ፀላኢና ዝነበረ ኣካል እኳ ተላዚብና እናሰራሕና ኢና ዝበሉ ፕሬዝደንት ጌታቸው ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ዝተፈጠረ ዘይምስናይ ብልዝብ ክፍታሕ ብወገኖም ቁርብ ምዃኖም ተዛሪቦም። በቲ ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ህዝቢ ክስከፍ ከምዘይብሉ እውን ኣረዲኦም::

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ምክትል ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ብወገኖም ህዝብን መንግስትን ተናቢቦም እንትሰርሑ ዝኾነ ፀገም ትሕቲኦም እምበር ልዕሊኦም ኣይኾውንን ኢሎም::

ግዝያዊ ምምሕዳር ሕጋዊ እዩ ዝበሉ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ዘለው ፀገማት ንምፍታሕ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስ ህዝቢ ሓቢሩ ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም::

ብተሳተፍቲ እቲ መድረኽ “ህዝቢ ንመራሒኡ ክፈርሕ የብሉን”ተባሂሉ ዝተልዓለ ሓሳብ ክቕፅል ኣለዎ ድሕሪ ምባል ተሳተፍቲ ብግልፂ ሕቶታቶም ዘቕረብሉ ኣገባብ ኣድኒቖም ።

ብፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጉጅለ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ነበርቲ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ዘካየድዎ ዘተ ተዛዚሙ::

Trending

Exit mobile version