News

ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሣኤ ተሓታትነት መሪሕነት ትግራይ ጠሊቡ።

Published

on

“ከም ስርዓት ሕዚ በፂሕናዮ ንዘለና ፀገም ሕዚ ዘለዉ መራሕቲ ጥራሕ እዮም ተሓተትቲ ክንብል ኣይንኽእልን። ምናልባት ነዚ ፀገም እዙይ ኣብ ምፍጣር ዝለዓለ ግደ ነይርዎም ካብ ዝበሃሉ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ኣነ ክኸውን እኽእል እየ!”ዝበለ ክብል ድማ ም/ፕ/ ሓላፊ ዲሞክራታይዜሽንን ግዝያዊ ምም.ር ክልል ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ገሊፁ ኣሎ።

ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፣ ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ፣ፖለቲካዊ ውድባት፣ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ፣ትካላት ሃይማኖት፣ማሕበረሰብ ንግዲ፣ዓበይቲ ዓድን ዝተሳተፋሉ ”ብሄራዊ ዋዕላ ፖሎቲካዊ ምሕደራ ትግራይ”ኣብ ከተማ መቐለ የሳልጥ ኣሎ።


“ኣብ ትግራይ ዝኾነ ኣካል ናይ ሓሳብ ሞኖፖል (ዓብላልነት) ክህልዎ ኣይኽእልን” ኢሉ ፕሬዝደንት ጌታቸው

“ህዝቢ ትግራይ ገና ዘይሰገሮም ሓደጋታት ኣብ ልዕሊኡ ኣንፀላልዮሙዎ ኣለዉ: ንምንታይ እዩ ነዞም በቢ እዋኑ ኣብ ልዕሊኡ ዘንፀላለውን ዘጋጥሙዎን ዘለዉ ሓደጋታት ዘይፈተሐ ኢልና ደጊምናን ኣዕሙቚናን ክንርዳእን ክንዝትየሉን ኣለና” እውን ኢሉ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ::

Trending

Exit mobile version