News

ሓዱሽ ቃለ መሕትት ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ

Published

on

“ሕዚ ኣብ ዞባ ድቡብን ፀለምትን ዘሎ ምዕባላ ዋላ እኳ ዝደንጎየ እንተኾነ፣ ፅቡቕ ክያዶ እዩ ፣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ድማ ካብዚ ተማሂርና ብዝሐሸ ኣገባብ ክንፍፅሞ ኢና ተዳሊና ዘለና።”

– ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ

★ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝተዋደደ ናይ ፀላኢ ምንቅስቓስ ደው ዘበለ፣ ተጋሩ ባህሎምን፣ ቋንቋኦምን፣ መንነቶምን ኢሉ እውን ካብ ሕልና ሰብን ታሪኽ ከጥፋኡ ዝግበር ዝነበረ ከይዲ ደው ኣቢሉ እዩ።

ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝተዋደደ ናይ ፀላኢ ምንቅስቓስ ደው ዘበለ…

ህዝብና ካብ ጠቕላላ ፅንተት ዘድሓነ ውዕሊ ፕሪቶርያ፣ ሕዚ ድሕሪ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስትናን ቤት ምኽርናን ኣፍሪስኩም ኲኹም ኢሎም ዝኸሱና ብፆትና ኣለው።

  • ናብ ፕሪቶርያ እንትንኸድ ዝኾነ ይኹን ረብሓ ትግራይ ንምሕላው ኢና ከይድና።
  • ውዕሊ ፕሪቶርያ ብመስዋእቲ ደቅና ዝተረኸበን ሕዚ በፂሕናሉ ዘለና ብርኪ ንክንበፅሕ ዘኽኣለን እዩ።
  • ውዕሊ ፕሪቶርያ እንትፍረም ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኢዱኩም ሃቡ ኣይንህብን ኣብዝበሃለሉ ፣ ህዝብና ዓብይ ሓደጋ ኣብ ዝነበረሉ፣ ስራዊትና ከቢድ ዋጋ ኣብ ዝኸፈለሉ ኩነታት ኮይንና ኢና ፈሪምና።
  • ውዕሊ ፕሪቶርያ እንትንፍርም ዋላ እናሕመመና እንተኾነ እቲ ውዕሊ ተቐቢልና ናብ ሰላማዊ ቃልሲ ንምእታው ኢና ተስማምዕና።
  • ውዕሊ ፕሪቶርያ እንትንፍርም ኣብ ትግራይ ዝነበሩ መራሕቲ እናፈርስና ኢና ቶሎ ፈርሙ ተባሂለ እየ።
  • ውዕሊ ፕሪቶርያ እንትፍረም 26 ሽሕ ውጉኣት ነይሮሙና።ስለዚ ስምምዕነት ስላም ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ ዘድሐነ ውዕሊ እዩ።
  • ውዕሊ ፕሪቶርያ ህልውናን ድሕንነትን ትግራይ ብዘረጋግፅ መንገዲ ክፍፀም ኢና ተስማምዕና።
  • እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኩናት ብዝተወድአሉ መንገዲ ክውዳእ ዝተገበረ ብምኽንያት ድኽመት ፓለቲካዊ መራሕነት እዩ።
  • ሕዚ እውን ኣብ ሕትኹቱኽ ዘሕለፍናዮም እዋናት ተጣዒስና ተመዛበልትና ኣብ ምምልስን ዘይተፈፀሙ ውዕሊ ፕሪቶርያ ምፍፃምን ክንቕፅለሉ ኢና።

ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ም/ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓትን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ድምፂ ወያነ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ካብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ዝተወሰደ።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ ቃለ ምልልስ ድማ Kulu News ኩሉ ዜና ተኸታተሉ።

Trending

Exit mobile version