ዜና ትግርኛ
ፕ/ ጌታቸው ረዳ እቲ ውጥጥ ስልጣን ትግራይ ሓቂ ምዃኑ መረጋገፂ ሂበምሉ ።
መራሕቲ ትግራይ ብሰንኪ ዝኸድዎ ናይ ስልጣን ውጥጥ ትግራይ ዋጋ ክትከፍል የብላን ኢሎም ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ።
Watch Video On YouTube
መበል 36 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ ምኽንያት ብምግባር ምንባር ሕቑፊ ዕምበባን ኣብ ቀፅሪ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ተሳሊጡ ኣሎ።
ኣብቲ እዋን መደረ ዘስምዑ ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ሰማእታትና ዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእቲ ኣብ ልዕሌና ዝተዳዕነነ ክንከፍሎ ዝግባእ ዕዳ ከምዘለና ተገንዚብና ፀገማት ህዝብ ትግራይ ክንፈትሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ባህጊ ስውኣት ንምግሃድ ኩሉ ይግበአኒ በሃላይ ካብ ጭርሖ ወፂኡ ብዘይዕርፍቲ ክሰርሕ ይግባእ ክብሉ ፕ/ ጌታቸው ረዳ ፀዊዖም።
ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ፅባሕ ዝሓሸ ነገር ክመፅእ ብተስፋ እናማዕደወ ዝነብር ብዙሕ ወገን ኣለና ዝበሉ ፕሬዘዳንት ጌታቸው ረዳ ተመዛበልቲ ብቕልጡፍ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝስረሐሉ ግዜ ፅባሕ ከይኮነስ ሕዚ እዩ ኢሎም።
ካብ ባህግን ዕላማን ስድራ ስውኣት ወፃእ ዝኾኑ ስርዓት ኣልባ ዝኾኑ ኣካይዳታት ጠጠው ብምባል መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ንምግሃድ መሪሕነት ትግራይ ካብ ንሕንሕ ስልጣን ወፂኡ ስውኣቱ ክኽሕስ ኣገንዚቦም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዝተጋደለን ዘይተጋደለን ዝግፈዐሉ ዝሰረቐ ዝኸብረሉ እዋን በፂሕና ኣለና ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት እዚ ኣነዋሪ ተግባር ኣብቂዑ ስድራ ስውኣትን ጉዱኣት ኲናትን ከቢሮም ረብሐኦም ክረጋገፅ ክስራሕ ምዃኑ ኣፍሊጦም ።
ተዛማዲ ዛዕባ – ፕሬዘዳንት ጌታቸው ረዳ ንጉዳይ ኣለማጣ ዝምልከት መብርሂ ሂቡ።
ኣብ ትግራይ በቢዓመቱ 15 ዝዝከር መዓልቲ ሰማእታት፥ ሰማእታትና ዝብህግዋ፣ ሓሳብ ብሓሳብ እትስዕር፣ መሰል ዓርሰ ውሳንኣ መሊኣ ዘረጋገፀትን እያ ኢሎም። ብተወሳኺ ድማ ስድራ ስውኣትናን ኣካሎም ዝጎደሉ ጀጋኑናን ብሰላም ዝነብሩላ ትግራይ ንምፍጣርን “ንህላወ ህዝብና እንቃለስ እምበር ስልጣንን ውልቀ ሃፍትን እንናፍቕ” ከይንኸውንን ምዃኑ እውን ኣይተ ጌታቸው ገሊፆም።
“ይዂን እምበር ገሌና ድሕሪ እዚ ኩሉ ፀበባን ዓፀባን ውልቃዊ ጥቕሚ ዘገድሰና፣ ጉዳይ ፍትሕን ፀጥታን ህዝቢ ትግራይን መከራን ሕሰምን ተፈናቐልትን ክንዲ ፍረ ጣፍ ዘይስመዐና ኣብ ሕትዂትዂን ምምንጫትን ንውዕል ኣለና” ኢሎም። ኣይተ ጌታቸው፥ ካብ ክብርታትን ባህልን ህዝቢ ትግራይ ትግራይ ወፃእ ዝኾኑ ገበናትን መጭወይቲ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይን መዓልታዊ ተርእዮ ብምህላዉ ኣብ ትግራይ ስርዓት ኣልቦነት መሊኡ ከይሰፍን ከምዘስግእ ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ኣይተ ጌታቸው፥ ዝተጋደለ እናተበደለ ዘውደልደለ ብስርቂ እናደልደለ ርኢኻ ከምዘይረአኻ ወይ ድማ ድጋፍ ንምርካብ ተሓባበርቲ ምዃን ዝመረፀ ብዙሕ ምዃኑ ተዛሪቦም። ስለዚ ኣብ ስርቅን ክትራንን ዝተዋፈሩ ኣካላትን ገበነኛታትን ዝሕተትሉ ዝተጀመረ ከይዲ ክጠናኸር ከምዝግባእ ገሊፆም።
ኣብ መወዳእታ ኣይተ ጌታቸው ስድራ ስውኣትን ኣካሎም ዝጎደሉ ተጋደልትን ዝግብኦም ክብሪ ክረኽቡ ብስርዓትን ሕግን ዝተደገፈ ስራሕቲ ይሳለጥ ከምዘሎ ብምሕባር ብቐፃልነት ድማ ዘላቒ ረብሓ ብዘረጋግፅ መንገዲ ንኽትግበር ከምዝስራሕ ሓቢሮም።