News
ብማንም ሓላፊ መንገዲ ወይ ብሓይሊ ወንበረይ ኣየረክብን!
ኣነ ወንበር ዘረክብ ብስነ ስርዓት መንገዲ እምበር ብማንም ሓላፊ መንገዲ ወይ ብሓይሊ ኣይኮነን።
“ንፁህ ሰነድ ዘለዎ ጅግና ሰራዊትና ናይ ሰረቕቲ ኔትዎርክ ንምቕፃል ክብል ማህተም ኣብ ምምንጣል መሳርሒ ክኾን የብሉን!”ክብል ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ገሊፁ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣድሂቡ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቡ ኣሎ።
ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ሕመቕ ዝወለዶ ናይ መኸተ ሓይልና ኣብ ምብታን ዓብይ ኣስተዋፀኦ ኣብ ምግባር ይርከብ።
ኣብ ትግራይ ሐዚ ዘለናሉ ኩነታት ብጣዕሚ የሻቕል እዩ።
ሓድነትና ካብ ምዝራግ ሓሊፉ ህልውና ህዝብና፣ ግዝኣታዊ ሓድነትና ካብ ምርግጋፅ ዝዘለለ ግ/ም/ት ከም መንግስቲ ስርሑ ከይሰርሑ ናብ ዝበፅሐሉ ብርኪ በፂሕና ኣለና ዝበለ እቲ ፕሬዚዳንት
ናይ ህወሓት ኣመራርሓ ናብ ክልተ ምምቃሉ ንህዝቢ ዓብይ ሻቕሎት ፈጢሩ። ንህዝቢ ዝጠቅም ስራሕ ዘይሰርሕ ብፍላይ ጉባኤ ዘካየደ ኣካል ፀገማት ዘይፈትሕ፣ ጥቕምን ረብሓን ትግራይ ናብ ዘየረጋግፅ ሓይሊ እዩ። ስልጣን ኣብ ኢድና ክኣቱ ኣለዎ ዝብል ሓደገኛ ኣተሓሳስባ ዝወለዶ ፀገም እዩ ተፈጢሩ ዘሎ! ናይ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት ብመስዋእቲ ሰራዊትና ዝተረኸበ ኮይኑ “መንግስትና ኣሕዲጎምና” ናብ ዝብል ተበፂሑ እዩ ክብል ገሊፁ።
እቲ ዝተልዓለ ኲናት ብመረፃ ምክያድና እንትኾን ኣብቲ ስምምዕነት ናይ መረፃ ጉዳይ በቲ ስምምዕ ዝተረፈ እዩ። ናይ ውሑዳት ስራሕ ፈፀምቲ ዝውሰኑ ዝነበሩ ዝተለመዱ ተግባራት ኩሉ ዓይነት ኣተሓሳስባ ከይምዕብል ኣብ ምግባር ዓብይ ግደ ፈፂሙ እዩ ብምባል ከኣ
ብማንም ሓላፊ መንገዲ ወይ ብሓይሊ ወንበረይ ኣየረክብን

ኣነ ወንበር ዘረክብ ብስነ ስርዓት መንገዲ እምበር ብማንም ሓላፊ መንገዲ ወይ ብሓይሊ ኣይኮነን። ትግራይ ዓዲ ስርዓት ስለዝኾነት
ናይ ሰራዊት ህልዊ ኩነታት፣ ኣብ ምግቢ፣ ኣልባሳት፣ ጥቕማጥቕሚ ወዘተ ዝምልከት ከይተገደሰ ንስልጣኑ ጥራሕ ክጥቀመሎም ምፅዓሩ ናይቲ ጉጅለ ጭካነ እዩ። ነቲ ሓይሊ ፀፅታና ድማ ናብ ሓደጋ ዘእቱ ምንቅስቓስ ይገብር ኣሎ ክብል ሓቢሩ።
እቲ ፕሬዚዳንት ወሲኹ
ናይ ትግራይ ሰራዊት ዘኹርዕ ስራሕ ዝፈፀመ ሓይሊ እዩ። መንእሰይ ትግራይ ምእንቲ ዓዱን ህዝቡን ብዘይማንም ቀስቃሲ ዝተኣኻኸበ ናይ መኸተ ሓይሊ እዩ። ኣይኮነን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክመልስ ካብ ተመዛበልቲ ናይ ለካቲት ብምብቅል ገንዘብ ክእክብ እዩ ዝረአ ዘሎ። ፌደራልን ሻዕቢያን እዩ ፀላኢና ዝብል ዝነበረ ሓይሊ ሎሚ ድማ ንቲ ናይ መከተ ብፃዩን መቓልስቱን ፀላኢ ገይሩ ኣብ ውሽጡ ሕቱኽቱኽ ይብል ኣሎ ድሕሪ ምባል
ጣብያ ኣመራርሓ ባዕሉ እዩ ብቐጥታ ዝመርፅ፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ክፈርስ እንተይኮነስ ክጠናኸር ኢና ንሰርሕ ዘለና። ንፁህ ሰነድ ዘለዎ ጅግና ሰራዊትና ናይ ሰረቕቲ ኔትዎርክ ንምቕፃል ማህተም ኣብ ምምንጣል መሳርሒ ክኾን የብሉን። ህዝቢ ዝቕበሎ ኣመራርሓ ክህሉ ኣለዎ። ብግዝያዊ ምምሕዳር ዝተፈፀሙ ፀገማት እንተሃልዮም ብስርዓት ምስትኽኻል ይከኣል እዩ ኢሉ።
እዚ ሓይሊ ናብ ስልጣን መሊሱ ከይመፅእ ካብ ሓይሊ ወፃኢ ኩሉ ዓይነት ቃልሲ ክገብር እየ። ውድብ ንምጥፋእ እንተዝደሊ ነይረ ቀሊል እዩ ነይሩ። ፋይናንስ ሓኒቐ ምሓዝኩ.።
ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብዚን በቲን ተቐርቂሮም ከምዝኾኑ ይርደአኒ እዩ። ኮይኑ ግና ናይ ሕገመንግስቲ ተንታኒ ኮይንካ ናይ መንግስቲ ሓይሊ ተጠቂምካ መንግስቲ ምብታን ገበን እዩ። ኣብዚ ግጭት ተተፈጢሩ ሓደ ነገር ዶ ኾን ይጥቀም ዝብል ይህሉ እዩ።
መንግስቲ ፌደራል ፕሪቶሪያ ባዕሉ የፍርሶ እምበር ብኣና በኩል ክፈርስ የብሉን። መጋቢት 8 ዳግም ክሪኢ እየ ኢሉ ኣሎ ፌደራል። በዚ ድማ ካሊእ ሰብ ተተመዲቡ ግጭት ዲና ክነልዕል?
ህዝቢ ሰብሲብካ ኣብ ሃገረሰላም ዝተገበረ ናይ ማህተም ምንጠላ ከመይ ገይርና ኣብ ዓድግራት፣ ዓብይ ዓዲ ወዘተ ንደግሞ ምባል ናይቲ ጉጅለ ናይ ጥፍኣት ስራሕ እዩ ጉባኤ ብናይ ፌደራልን ብናይ ህወሓት ሕገ ደንብን ሕጋውነት የብሉን ኽብል ገሊፁ።