News
“ኣብ ስልጣነይ እየ ዘለኹ” ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ
ቀንዲ ምግምማዕ መሪሕነት ህወሓት ስምምዕ ፕሪቶርያ ምቅባልን ዘይምቅባልን ምኳኑ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ገሊፁ።
መፃኢ ዕድል ትግራይ በቶም ንህላወኣ ዝተቃለሱ መናእሰይ እምበር በቶም ናብ መንገዲ ጥፍኣት ዝመርሕዋ ኣካላት ክውሰን ኸምዘይደሊ ዝገለፀ እቲ ፕሬዚዳንት ካብኡ ብላዕሊ ምስ መንግስቲ ፌደራል ብሕቡእ ዝራኸቡ መራሕቲ ህወሓት ኸምዘለዉ እውን ሓቢሩ። ንሱ ነዚ ዝገለፀ ምስ በርድ ስቶሪ አጀንሲ ዝበሃል ድሕረ ገፅ ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለመሕተት እዩ ።
ፕሬዚዳንት ጌታቸው ኣብ ቃለመሕተቱ ኣብ ትግራይ ኣብዚ እዋን ኣነ ስልጣን እንተዘይሒዘ ዋላ ኩናት ይከፈት ዝብል ሓይሊ ትግራይ ናብ ማሃሙቅ የጥሕላ ኸምዘሎ ኣመላኺቱ እዩ።
ኣብ ሓላፍነቱ ከምዘሎን መንግስታዊ ዕማማት ኣብ ዘለዎ ኮይኑ ይከታተሎን ይፍርምን ምህላዉ ገሊፁ

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዛጊድ ኣብ ሓላፍነቱ ከምዘሎን መንግስታዊ ዕማማት ኣብ ዘለዎ ኣብ ሕክምና ዱባይ ኮይኑ ይከታተሎን ይፍርምን ምህላዉ ብምሕባር ኣብ ቀረባ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ ከምዝመፅእን ይኹን እምበር ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ግና ንውልቃዊ ድሕንነነቱ ከምዘስግእ ምስ በርድ ዝተብሃለ ዓለምለኻዊ ሚድያ ዝገበር ቃልመሕትት ገሊፁ ኣሎ።
ብመንገዲ ጉጅለ ዶክተር ደብረፅዮን ህወሓት ዝተኻየደ”ዕልዋ መንግስቲ” ንትግራይ ብፖለቲካዊ መዳይ ዘይርጉእ ገይርዋ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘለዋ ርክብ እውን ደውታ ኣጋጢምዋ እዩ ዝብል እቲ ንጌታቸው ረዳ ቃለመሕተት ብምግባር ዝተሰርሐ ፀብፃብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ኣዝየን መሸገርቲ እየን ነይረን። ተስፋይ ስምምዕ ፕሪቶርያ ነቲ ሕሉፍ ደማዊ ኩናት ኣዕሪፉ ኣብ ምሕዋይ፣ ዳግመ ህንፀት፣ ምምላስ ተመዛበልቲ ትኹረት ክገብር እዩ ነይሩ ክብል ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኸምዝገለፀሉ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ኲናት ሓድሕድ ዝወረደ ዕንወት ኣዝዩ ዓቢ ስለዝኾነ ከም ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝዓለመ እዩ ነይሩ። እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ህወሓት ንዘጋጠመ ምግምማዕ ስዒቡ ብዙሕ ግዜ ባኺኑ እዩ ክብል ዝገለፀ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ካብ መጀመርታ ተሓባቢርካ ምስራሕ ዘይከኣል እንተዘይኮይኑ ከቢድ ከም ዝኸውን እ
ይፈልጥ ነይረ። ድሕሪ እቲ ደማዊ ኩናት ህወሓት ስልጣን ብሞኖፖሊ ክሕዝ ከምዘይክእል መሳርሕተይ ክቕበሉ ተስፋ ገይረ ነይረ ኢሉ።
ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምስረሐይ ተፈርጀ እየ
ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምስረሐይ ተፈርጀ እየ እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ግዝያዊ ፕሬዚዳንት ከም ምኳነይ ዝነበረኒ ተራ’ዩ ነይሩ። እቲ ዘገርም ግን እቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ይለማመፅ እየ ኢሎም ዝኸሱኒ ውልቀሰባት ብሕቡእ ምስ መንግስቲ ፌደራል ይራኸቡ ነይሮም ብምባል ድማ እቲ ሓቀኛ ጉዳይ ካብኣቶም ትእዛዝ ምውሳድ ምእባየይ እዩ ንኣማራጺ ድምጽታት ክፉት እየ ነይረ፣ ሓላፍነት ክወስድን ሓድሽ ፖለቲካዊ ክውንነት ክፍጠርን ፍቓደኛ ነይረ፣ ንሳቶም ግን ኣብቲ ናይ ቀደም መንገዲ ተጣቢቖም ክነብሩ እዮም ዝመርፁ ኽብል ንጉጅለ ዶክተር ደብረፅዮን ከሲሱ።
ኣብ እዋን ኲናት ርኡይ ሓላፍነት ዝነበሮም መራሕቲ ህወሓት ስምምዕ ፕሪቶርያ ንህወሓት ኣብ ስልጣን ዝነበሮ ሞኖፖሊ ከም ዝገፈፈ ኮይኑ ተሰሚዕዎም ዋላ’ኳ እቲ ኲናት መሰከፊ ዕንወት እንተፈጸመ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ኣማኢት ኣሽሓት ህይወት እንተጠፍአ ገለ ካብቶም መሪሕነት ህወያት ካብ መጻኢ ትግራይ ምውሓስ ንላዕሊ ኣብ ስልጣን ዝነበሮም ቦታ ምዕቃብ እዩ ዘገድሶም ኽብል ዝገለፀ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ እቲ ምፍልላይ ኣብ መንጎ እቶም ንፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ ቀፃሊ ህልውንኡ ንምውሓስ ኣድላዪ ውሳነ እዩ ኢሎም ዝተቀበልዎን ነቲ ስምምዕ ከም ጥልመት ዝቖጽርዎን እዩ ነይሩ ድማ ኢሉ።
ምምላስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ወገናት ኣየገድሶምን
ምምላስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ወገናት ኣየገድሶምን ኽብል ነቲ ሓደ ክንፊ ህወሓት ዝኸሰሰ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ትኹረቶም ዳግማይ ናብ ስልጣን ንምምላስ ጥራሕ እምበር ኣብ ሂወት ህዝቢ ኣይኮነን ኢሉ።
ፕሪቶርያ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝኾኑ ሓይልታት ክወጹ ይጠልብ’ኳ እንተነበረት ነዚ ምትግባር ግን ናተይ ስራሕ ዘይኮነስ ናይ ፌደራል መንግስቲ’ዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን ሐዚ ውን ኸም ሰራዊት ኤርትራ ዝበሉ ሓይሊታት ኣብ ትግራይ ኣለዉ ኢሉ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ
ኣብ ቀፃሊ መን ይምርሕ ብዘየገድስ ምስ ፌደራል መንግስቲ ተቐራሪቡ ክሰርሕ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከተግብር፡ ተመዛበልቲ ክመልስን ምርጫ ከካይድን እዩ። ንሱ’ዩ እቲ እንኮ ሓቀኛ መንገዲ ናብ ሕጋዊ ክልላዊ መንግስቲ ዘሰጋግር ዝብል ፕሬዚዳንት ጌታቸው መሪሕነት ህወሓት ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ክመፅእ ዝገበረ ተሓተትቲ ምኳኑ ምፍላጥ የድሊ። ናብዚ ዘብፀሐና ኣተሓሳስባ’ውን ንሽግር ትግራይ ኣይፈትሖን። መፃኢ ድማ በቶም ኣብ ህልውና ትግራይ ዝኣሙኑን ዝተቓለሱን መንእሰይ ወለዶ ክቕረፅ ይግባእ ኢሉ።
ኣብ 20ታትን 30ታትን ዕድመ ዝርከቡ መንእሰያት መራሕቲ ሓድሽ መስመር ናይ ምሕንጻጽ ዕድል ክወሃቦም ይግባእ። መፃኢ ዕድል ትግራይ በቶም ናብ መዓት ዝመርሕዋ ክውሰን የብሉን ኽብል እውን ገሊፁ።