Connect with us

ምሩፃት

ኣብ ትግራይ ኣብ ሰለስተ ከባቢታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ሂወት ሓደ ሰብ ሓሊፉ

Kulu Media News Desk

Published

on

ኣብ ትግራይ መጥቃዕቲ ድሮን ተፈፂሙ
ኣብ ከተማ እንትጮ ብድሮን ዝተሃረመት ኣይሱዙ | ምምሕዳር ከተማ እንትጮ ፌስቡክ ገፅ

መቐለ – ኣብ ትግራይ ዞባ ማእኸል ኣብ ዝርከባ ክልተ ከተማታትን ሓንቲ ወረዳን፡ ዓርቢ ለይትን ሎሚ ወጋሕታን መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈጸመ ኩሉ ሚድያ ዝረኸቦም ሓበሬታታት የመላኽቱ። ኣብ ከተማ እንትጮ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ህይወት ሓደ ሰብ ክሓልፍ ከሎ፡ ሓደ ሰብ ድማ ከምዝቖሰለ ፖሊስ እታ ከተማ ገሊጹ።

መንግስቲ ፌደራልን ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይን ዳግማይ ናብ ግጭት ምእታዎም ይግለጽ ኣብ ዘለወሉ እዚ እዋን፡ እቲ መጥቃዕቲ ድሮን ትማሊ ዓርቢ 22 ጥሪ 2018 ዓ.ም እዩ ተፈጺሙ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ከተማታት እንትጮን ገንደበታን ከምኡ’ውን ወረዳ ኣሕፈሮም ከምዝተፈጸመ ፖሊስን ምንጭታትን ተዛሪቦም።

ኣብ ከተማታት እንትጮን ገንደበታን ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ድሮን ተሽከርከርቲ ዒላማ ከምዝገበሩ ውን ተገሊጹ።

ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ እንትጮ ተስፋይ ኣማረ ከምዝብልዎ፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ክልተ ተሽከርከርቲ መጥቃዕቲ ድሮን ተፈጺሙ። እቲ መጥቃዕቲ ካብ ለይቲ ሰዓት ትሽዓተ ክሳብ 10 ኣብ ዘሎ ግዜ ከምዝተፈጸመ ገሊጾም።

እቲ ቦምብ ድሮን “ኣብ ጋቢና እተን መካይን” ከምዝዓረፈ ዝተዛረቡ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ፣ በዚ መጥቃዕቲ ሓደ መራሒ መኪና (ሾፌር) ህይወቱ ከምዝሓለፈ ኣፍሊጦም። ረዳእ እታ መኪና ዝኾነ ሓደ ውልቀሰብ ድማ ጉድኣት በጺሕዎ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰደ ኣረዲኦም።

እቶም ኣዛዚ ፖሊስ ከምዝብልዎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመለን አይሱዙን ኤፍ.ኤስ.አር (FSR) ዝዓይነተን ናይ ጽዕነት ተሽከርከርቲ፡ “መግብን ናይ ንግዲ ሸቀጣ ሸቀጣትን” ዝጸዓና ምንባረን ገሊጾም።

ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ከተማ እንትጮ እቲ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ “ካብተን ተሽከርከርቲ እታ ሓንቲ ሙዝ” ጽዒና ከምዝነበረት ገሊጹ። እታ ካልአይቲ መኪና ድማ “ዘይትን ዝተፈላለዩ ሸቀጣ ሸቀጣትን” ከምዝጸዓነት ጽሒፉ።

ኮሚዩኒኬሽን እታ ከተማ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ናይተን ክልተ ናይ ጽዕነት ተሽከርከርቲ ፎቶግራፍ ኣተሓሒዙ ኣሎ።

ካብተን ናይ ጽዕነት መካይን እታ ሓንቲ ኣብ ጋቢና መራሒ መኪና ጉድኣት በጺሕዋ ትርአ። ብሸራ ካብ ዝተሸፈነ ጽዕነት እታ መኪና እቲ ዝተወሰነ ተገሊጡ ዝርአ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝተገልጠ ክፋል ድማ ጥረ ሙዝ ይርአ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝተዘርግሐ ሓደ ቪድዮ ሰባት ካብታ መጥቃዕቲ ዝበጽሓ መኪና ንሓደ ሰብ ብዓለባ ሸፊኖም ከውጽኡን መሬት ከንብሩን ይርአ። ኣብቲ ቦታ ናይ ፖሊስ ደንቢ ዝለበሱ ከምኡ’ውን ኣብ ወሰን ጽርግያ ተኣኪቦም ዝርእዩ ነበርቲ ይርአዩ። ይኹን እምበር ኩሉ ሚድያ ትክክለኛነት እዚ ቪድዮ ብዘይሻራውነት ኣይረጋገጸን።

ኮሚዩኒኬሽን ከተማ እንትጮ ዝለጠፎ ካልእ ፎቶ፡ ሸራ ጽዕነት ካብ ማእከል ጀሚሩ ዝተቀደደ ካልእ ተሽከርካሪ ዘርኢ እዩ። ኣብቲ ዝተቀደደ ክፋል ሸራ ካርቶናት፡ ብጫ ጀሪካን ዘይትን ብፕላስቲክ ዝተታሓዙ መስተ ዝመስሉ ነገራትን ኣለዉ። ኣብ መሬት ድማ ብፕላስቲክ ዝተታሓዘ ፈሳሲ ዘይቲ ተቀሚጡን ወዲቁን ይርአ።

ኣብ ከተማ ገንደበታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ’ውን ብተመሳሳሊ ተሽከርካሪ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ እቶም ኣዛዚ ፖሊስን ምንጭታትን ገሊጾም። ወጋሕታ ከባቢ ሰዓት 11፡00 መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ተሽከርካሪት “በርበረን ካልኦት ናይ ንግዲ ኣቅሑትን” ጽዒና ነይራ ኢሎምኒ ክብል ቢቢሲ ትግርኛ ኣዘራሪበዮም ዝበሎም ምንጭታት ብምውካስ ፀብፂቡ።

ኣብ ከተማ ገንደበታን ወረዳ ኣሕፈሮምን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ኣብ ሰብ ጉድኣት ብዛዕባ ምብጽሑ ኣይተፈልጠን።

ምምሕዳር ከተማ እንትጮ ብወገኑ “መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ካልኦት ከባቢታት’ውን ክደገም ስለዝኽእል፡ እቲ ማሕበረሰብ ልዑል ጥንቃቐ” ክገብር ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ህወሓትን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ጀሚሮም ናብ ግጭት ከምዝኣተው ዝፍለጥ ኮይኑ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዶባት ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ግጭት ምቅስቃሱ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ትግራይ ብስፍሓት ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ሕዚ ከምብሓድሽ ኣብ ዝተወለዐ ግጭት መጥቃዕቲ ክፍፀም እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። በዚ ሰሙን ሓይልታት ትግራይን ሓይልታት ፌደራልን ግጭት ኣብ ዝገጠሙሉ ከባቢ ጸለምቲ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈጸመ ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

ኩሉ ሚድያ ዜና ዴስክ፡ ንማሕበረሰብ ሓበሻ ንቕሓት ንምፍጣር፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ቁጠባን ባህልን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘተኮረ ዓሚቑ ጸብጻባት የቕርብ።

Advertisement

Stay Updated with Kulu Media

Get trusted news and stories delivered to your inbox.

Trending