Connect with us

ፖለቲካ

ሓዱሽ ሓበሬታ ምዕራብ ትግራይ

Kulu Media News Desk

Published

on

ምምላስ ተመዛበልቲ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ቀፂሉ


ብኻሊእ ወገን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ወረርቲ ሓይሊታት ፀሓዮም እናዓረበት ከምዝኾነት ዘመላኽቱ ሓበሬታታት ምውፃእ ቀፂሎም ኣለው ።

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ተመዛቢሎም ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ከተማ ዓዲግራት ተዓቂቦም ዝነበሩ ወገናት ናብ መረበቶም ምምላስ ጀሚሮም ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ተጠቃምነትን ተሳትፎን ሕብረተሰብ ከተማ ዓዲግራት ቀሺ በሪሁ ሓዱሽ ከም ዝበልዎ ካብ ወረዳታት ፀለምቲ፣ላዕላይ ፀለምትን ከተማ ማይ ፀብርን ተመዛቢሎም ዝፀንሑ ልዕሊ 1200 ወገናት በዚ ዕለት ናብ መረበቶም ምምላስ ተጀሚሩ ኣሎ።

ህዝቢን ምምሕዳርን ከተማ ዓዲግራትን ከባቢኡን ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዘድሊ ደገፍ እናገበረሎም ከም ዝፀንሐ ዝሓበሩ ቀሺ በሪሁ ሓዱሽ ፤ኣብታ ከተማ ካብ ዞባ ምዕራብን ካልኦት ከባቢታትን ልዕሊ ስሳ ሽሕ ዝተመዛበሉን ገና ናብ መረበቶም ዘይተመለሱን ወገናት ስለ ዘለው መሪሕነት ትግራይ ኣፈላላያቱ ብዘተን ምርድዳእን እናፈትሐ ብህፁፅ ክምልሶም ኢና ንፅውዕ ኢሎም።

ኩሉ ሚድያ ዜና ዴስክ፡ ንማሕበረሰብ ሓበሻ ንቕሓት ንምፍጣር፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ቁጠባን ባህልን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘተኮረ ዓሚቑ ጸብጻባት የቕርብ።

Advertisement

Stay Updated with Kulu Media

Get trusted news and stories delivered to your inbox.

Trending