Connect with us

ፖለቲካ

ንመሪሕነት ህወሓት ዝቐረበ ፃውዒት

Kulu Media News Desk

Published

on

መሪሕነት ህወሓት ዘጋጠሞ ምግምማዕ ብዝሰኸነን ብውሽጣዊ ዓቅሙን ክፈትሖን ተሓቲቱ።

ትግራይ ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ኣብ ዘላትሉ ሐዚውን ንመራሕቲ ትግራይ ዝቀርብ ፃውዒት ቀፂሉ ።

እዞም ኣብ መንጎ መራሕቲ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ነቃዕ ዘተሓሳሰቦም ግዱሳት ተጋሩ ኣብ ዘቅርብዎ ዘለው ፃውዒት
ኣኣብ ትግራይ ውሽጢ ዝኾነ ይኹን ደጋዊ ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ብትሪ ኢና ንቃወሞ ዝብል ሓሳብ ዘበገሱ ኮይኖም

ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይን ዘሎ ፖለቲካዊ ውጥጥ ብናይ ክልቲኦም ጉጅለታት ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ዓቕምታት ድኣ እምበር ካብ ደጋዊ ሓይሊ ብልፅግና ዘራይ ብምፅዋዕ ኣይኮነን ክፍታሕ ዝኽእል ዝብል ርኢቶ ኣንፀባሪቆም ኣለው ።

ወሲኾም ድማ
ምስ ደጋዊ ሓይሊ ብልፅግና ኮነ ሻዕብያ ተላፊንካ ወይ ድማ ፃውዒት ጌርካ ትቕይሮ ፖለቲካ ትግራይ ተሃልዩ ውፅኢቱ ዕንወት እምበር ረብሓ ኣይህልዎን ዝበሉ ኾይኖም፣

ተዛማዲ ዛዕባ፡ ሓዱሽ ሓበሬታ ምዕራብ ትግራይ

ስለዚ “ስርዓት ብልፅግና ኮነ ሻዕብያ ኢድካ ኣእቱ ኢልካ ፃውዒት ምግባር ካብ ፖለቲካዊ ባህልን መንነትን ተጋሩ ዝወፀ እዩ። ትማሊ ዝጨፍጨፈናን ዘጨፍጨፈናን ስርዓት ብልፅግና ኮነ ስርዓት ሻዕብያ፤ ንፖለቲካ ትግራይ መዐረይን ሓላይን ክኾን ፍፁም ኣይኽእልን ኢሎም ኣለው ።

ኣስዒቦም ድማ
“ህዝቢ ትግራይ  ካሕሳን ሕውየትን እምበር ሰላሙ ዝዘርግ ተግባር ኣየድልዮን።ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ጆኖሳድ ኲናት ከቢድ መከራ እናሕለፈ ይርከብ። መላምል ደቁ ከፊሉ ንብዓቱ ከይደረቀ ኣብ ክንዲ ደበሰ ልምዓት፣ ሕውየት ፣ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳራን መራሕቱ ኣብ ውልቀ ሕዱር ባህጊ ስልጣን ተሸሚሞም ህዝብና ኣብ ሓያል ሻቅሎት ኣውዲቆምዎ ብምህላዎም ኣመና ከቢድ ሻቆሎት ዝፈጥር እዩ ዝበሉ እዞም ኣካላት፣

“ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ ዝነበረ ናይ ስልጣን ንሕንሕ ኣድማሱ ኣስፊሑ ናብ ደጋዊ ሓይልታት ብምውፃእ፡ ነዚ ከም ዕድል ዝወሰዱ ፀረ ትግራይ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህወሓት ይኩን ህዝቢ ትግራይ ዝሓደረ እኩይ ዕላመኦም ንምውፃእ ብታሪክ ሓደ ክኾኑ ዘይትፅበዮም ሓይልታት ንትግራይ ንምውቃዕ ሓድነት ብምፍጣር ኣብ ህዝቢ ትግራይ ፅንተት ፈፂሞም እዮም ዝብል ሓሳብ ኣንፀባሪቆም እዮም።

ኣብ YouTube ይከታተሉ

ኩሉ ሚድያ ዜና ዴስክ፡ ንማሕበረሰብ ሓበሻ ንቕሓት ንምፍጣር፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ቁጠባን ባህልን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘተኮረ ዓሚቑ ጸብጻባት የቕርብ።

Advertisement

Stay Updated with Kulu Media

Get trusted news and stories delivered to your inbox.

Trending