ዜና
ጉዳይ ወልቃይት “ኣነ ኣይውስኖን” – ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ
ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ሕቶ ዋናነት ካብ ዝለዓለሎም ከባቢታት ሓደ ዝኾነ ጉዳይ ወልቃይት፣ ንሶም ይኹኑ ኣባላት ፓርላማ “ከምዘይውስኑ” ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊጾም። ኣብ ህልውና ህዝቢ ወልቃይት “ክውስን” ዝኽእል “ናይቲ ከባቢ ህዝቢ” ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፤ ቅዋም ፌደራል መንግስቲ ሕጂ ውን እቲ ጉዳይ “ብህዝበ ውሳነ (ሪፈረንደም)ን ብዝግባእ ሕግን ይወሰን” ዝብል ምዃኑ ተዛሪቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝተዛረቡ ሎሚ ሰሉስ 26 ጥሪ 2018 ዓ.ም፣ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቀረበሎም ሕቶታት መብርሂ ኣብ ዝሃብሉ እዋን እዩ። ካብ ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ጉዳይ ብሕቶ ዝልዓሉ ዓብዱ ሓሰን ዝተባህሉ ኣባል ፓርላማ፣ ተመዛበልቲ ናብ ነበር መነባብሮኦም ንምምላስ ፌደራል መንግስቲ ዘካይዶም ዘሎ ስራሕቲ “ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዝርከቡ” ሓቲቶም።
“ህወሓት ንዓመታት ክገብሮ ከምዝጸንሐ ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ንፖለቲካዊ ዕላማ ክጥቀመሎም ይርአ” ክብሉ ዝወነጀሉ እቶም ኣባል ፓርላማ፤ ንተመዛበልቲ “ደገፍ ከይበጽሕ”ን “ናብ መቦቆሎም ከይምለሱ ይገብር ኣሎ” ብምባል ከሲሶም። “ነዚ ኩነታት ንምፍታሕ ብወገን ፌደራል መንግስቲ እንታይ ይስራሕ ኣሎ?” ክብሉ ውን ተተሓሓዚ ሕቶ ኣስዒቦም።
ንሕቶኦም መልሲ ዝሃቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፣ ኣብቲ ጉዳይ ፌደራል መንግስቲ “ጽኑዕ እምነት” ዝበልዎ ኣረዲኦም። “ነባርቲ ከባቢ ወልቃይት ካብ ትግራይ ይምዘበሉ፣ ካብ ወልቂጤ ይምዘበሉ፣ ካብ ኣሶሳ ይምዘበሉ፤ ወልቃይት ብሰላማዊ መንገዲ ናይ ምንባር 100 ፐርሰንት መሰል ኣለዎም” ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ቅዋም መንግስቶም ኣፍሊጦም።
“ወልቃይት ብዝምልከት ኩሉኹም ትፈልጡ ኢኹም ምስጢር ኣይኮነን። ሕቶ ዋናነት ኣብ ክልል ኣምሓራን ትግራይን ንነዊሕ ግዜ ጸኒሑ እዩ። ክልቲኦም ክልላት መርትዖ ኣደጊፎም፤ ተቀባልነት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ‘እዚ ቦታ ይግብኣኒ እዩ’ ይብሉ። ፌደራል መንግስቲ ዝብሎ ዘሎ፤ ‘ሰብ ኣይመዛበል፣ ኣብ ዘለዎ ይመለስ፣ ርእሱ የመሓድር፣ ባዕሉ ይወስን’ እዩ” ክብሉ ኣቢይ ወሲኾም።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ዘስጠጠመ ስምምነት ፕሪቶሪያ፣ “ዘሰሓሕቡ ቦታታት” ብዝምልከት ዘለwu ጉዳያት ዝፍትሑ ብሕገ መንግስቲ ፌዴሪ መሰረት ምዃኑ ሰፊሩ እዩ። ሓደ ፈራሚ ስምምነት ፕሪቶሪያ ዝኾነ ፌደራል መንግስቲ፤ ጉዳይ ወልቃይትን ካልኦት ዘሰሓሕቡ ቦታታትን “ብህዝበ-ውሳነ” ንምፍታሕ ዘኽእሉ መስርሓት ከምዝትግብር ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
“ነባርቲ ከባቢ ወልቃይት ካብ ትግራይ ይምዘበሉ፣ ካብ ወልቂጤ ይምዘበሉ፣ ካብ ኣሶሳ ይምዘበሉ፤ ወልቃይት ብሰላማዊ መንገዲ ናይ ምንባር 100 ፐርሰንት መሰል ኣለዎም”
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ናይ ሎሚ ፓርላማ መብርሂኦም ነዚ ጉዳይ ደጊሞም ኣስሚዖምሉ። ፌደራል መንግስቲ ጉዳይ ወልቃይት “ሓደ ሰብ ኣብዚ ተቀሚጡ ካብ ዝውስን”፤ “ብሪፈረንደም”፣ “ብዝግባእ ሕግን” ክውሰን ከምዝደሊ ዝገለጹ ኣቢይ፤ “ኣብ ህልውናን ድሌትን እቲ ህዝቢ ሕጂ መን ክውስን ይኽእል? መን ካብዚኣኩም ክውስን ይኽእል?” ክብሉ ንኣባላት ፓርላማ ሕቶ ዝሓዘ ርኢቶ ሂቦም።
“ባዕሉ እቲ ህዝቢ፣ ቤቱ ኣትዩ፣ ብሰላም ነይሩ ‘ኣነ ክመሓደር ዝግብኣኒ፣ ኣብዚ ወይ ኣብቲ እዩ’ እንተዘይኢሉ፤ ኣየናይ በዓል ስልጣን እዩ ዝግብኣካ ኣብዚ እዩ ኢሉ ክውስን ዝኽእል?” ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኾም። ንሶም እዚ ይበሉ እምበር ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣመራርሓ ህወሓትን፣ ከባቢ ወልቃይት “ኣብ ትሕቲ ክልል ትግራይ ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ግልጺ ቅዋም ኣለዎም።
እቶም ሓለፍትን ኣመራርሓን ብምኽንያት ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መቦቆሎም ቅድሚ ምምላሶም፤ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ መዋቅር ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብቲ ከባቢ ክምለስ ኣለዎ ኢሎም ይማጎቱ። ወልቃይት ብዝምልከት መንግስታት ትግራይ፣ ኣምሓራን ፌደራልን ዘራምድዎ ዝተፈላለየ ቅዋማት፣ እቲ ከባቢ ኣብ ስጋት ጸጥታን ወጥመጥን ክጸንሕ ገይርዎ ኣሎ።
ዝሓለፈ መጀመርታ ሰሙን ኣብ ከባቢ ጸለምቲ/ጠለምት ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ዝተፈጥረ ግጭት፤ እቲ ከባቢ ናብ ዝለየለ ኲናት ከይኣቱ ስጋት ፈጢሩ ጸኒሑ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ዝሓለፈ ቀዳም 23 ጥሪ 2018 ንቴሌቪዥን ትግራይ ቃለ መሕትት ዝሃቡ ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፤ ምኽንያት እቲ ግጭት “ናብ ግዛትና ንምእታው ድሌት ከምዘለና ንምዝኽኻር እዩ ነይሩ” ክብሉ ተሰሚዖም።
ሓይልታት ትግራይ ናብቲ ከባቢ ዘምርሑ “ምስ ሰራዊት ምክልኻል ግጭት ከይፈጠሩ” ነዚ ንምስካዕ ይኹን እምበር፤ ብዘይተጸበይዎ መንገዲ ግጭት ከምዝተፈጥረ እቶም ፕሬዝዳንት ኣብ ቃለ መሕትቶም ኣመልኪቶም። በዚ ምኽንያት ናብቲ ቦታ ዝተላእኩ ሓይልታት ክምለሱ ከምዝኣዘዙ ኣረዲኦም።
ምስ ሓይልታት ትግራይ ሰሞኑን ብዛዕባ ዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ናይ ሎሚ ፓርላማ ጻንሒቶም ዘይተዛረቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፤ ጉዳይ ተመዛበልቲ ከባቢ ወልቃይት ግና “ጸገም” ከምዝኾኖም ገሊጾም። እልባት ዘይተረኽበሉ ሕቶ ዋናነት ወልቃይት፣ ፌደራል መንግስቲ ንኣቲ ከባቢ ክገብሮ ዝግብኦ ደገፍ ከምዝተዓናቀፈ ኣቢይ ኣብ ናይ ሎሚ መብርሂኦም ጠቂሶም።
“ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ህዝቢ ወልቃይት ከም ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ዝግብኦ በጀት ክረክብ ክግብኦ፣ ትምህርቲ ክድገፍ ክግብኦ፣ ጥዕና ክድገፍ ክግብኦ፣ ፌደራል መንግስቲ ክሕግዝ ዝግብኦ ነገር ከይሓገዞ ክጸንሕ ዝገበሮ [እዚ] ጉዳይ [እዩ]” ክብሉ ኣቢይ ተዛሪቦም። ነባርቲ ከባቢ ወልቃይት “ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ውን እንተመጹ ንቀበሎም ኢና” ዝበሉ ኣቢይ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓቅሚ ብዝፈቀዶ መጠን ናብርኦም ክመቻቸ ሓገዝ ከምዝገብር ወሲኾም።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ከተማ ሑመራ ዑደት ዘካየዱ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኧርቪን ማሲንጋ፣ ቀዳምነት ክወሃብ ዘለዎ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት “ብዝለዓለ ንዝተጠቅዑ” ሰባት “ድሕንነት” ከምዝኾነ ተዛሪቦም ነይሮም። ድሕሪ ዑደቶም ኩሎም ወገናት “ካብ ፖለቲካ ንላዕሊ ንህዝቢ ከቀድሙ” ዝሓተቱ እቶም ኣምባሳደር፣ ኣብ ከባቢ ወልቃይት ዝነብር ህዝቢ “ኣብ ዝተገበየ ግዜ” “ፖለቲካዊ ዕድሉ ባዕሉ ክውስን” ክግበር ከምዝግብኦ ውን ኣተሓሳሲቦም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ናይ ሎሚ ፓርላማ መብርሂኦም፣ ምስዚ ተመሳሳሊ ዝኾነ ቅዋም ኣንጸባሪቆም። “ጉዳይ ወልቃይት ኣነ ኣይውስኖን። ተስፋ ይገብር ንስኻትኩም ውን ኣይትውስኑን። ዝውስኖ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ እዩ። ነዚ ፓርቲታት መቻችዊ ነገር ክፈጥሩ ዝጽበዮም ይመስለኒ” ክብሉ ንኣባላት ፓርላማ ተዛሪቦም።