Connect with us

ትግራይ

“እኹል ምድላው ገይርና ኢና” – ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

Kulu Media News Desk

Published

on

New Statement from Dr. Debretsion on Tigray Security and Pretoria Agreement.

መቐለ – ኣብ 2013 ዓ.ም ብኹለመዳይ ተዳሊና ኣለና ክብል ዝስማዕ ዝነበረ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሐዚ እውን ብሓይሊ እንተኾይኑ ኩሉ ክንገብሮ ንኽእል ኢና፤ ኩሎም ዓቕምታት ኣለዉና ክብል ተሰሚዑ ኣሎ።

መበል 51 ዓመት ፅምብል በዓል 11 የካቲትን ህልዊ ኩነታትን ኣመልኪቱ ኣቦ ወንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ንሚዲያታት ትግራይ መግለፂ ሂቡ ኣሎ።

መንግስቲ ፌደራል ”ከም ቀደም ኣይኮነን ቴክኖሎጂ ተጠቒመ ከካብ ዘለውዎ ክብጥሶም እየ” እናበለ ኣብ ኣደባባይ ንከፈራርሕ ይፍትን ኣሎ ክብል ዝሓበረ ኣቦ ወንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል መንግሰቲ ፌዴራል ቅድሚ ሐዚ ብቃል ጥራሕ ዝጥሕሶ ዝነበረ ውዕሊ ፕሪቶርያ ሐዚ ድማ ብተግባር እናፍረሶ ይርከብ ብዋናነት ቶኹሲ ጠጠው ንክብል ዝተደንገገሉ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዕሊ ከም ዝጠሓሶ ገሊፁ።

”ንህዝቢ ትግራይ ከድቕቆም እየ” ብዝብል ፈኸራ ሐዚ እውን ትንኮሳታት ይቕፅሉ ምህላዎም ዝሓበረ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል: ህዝቢ ትግራይ ሕገ-መንግስቲ ንክኽበረሉ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክረጋገፀሉን ተመዛበልቲ ንክምለሱን ብዝተፈላለዩ መንገድታት ዝገለፀ እንትኸውን ከም ውድብ ህወሓት እውን ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ንሕብረት ኣፍሪካ ልዕሊ 10 ደብዳቤታት ከም ዝልኣኸ ኣብሪሁ።

ዶክተር ደብረፅዮን ወሲኹ ድማ ኣብ ኣተገባብራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣመልኪቱ ገምጋም ንክግበር ንሕብረት ኣፍሪካ ኣስታት 6 ደብዳበታት ካብ ውድብ ህወሓት ከም ዝተፅሓፈ ሓቢሩ።

ይኹን ዳኣ እንበር መንግስቲ ፌደራል ”ከም ቀደም ኣይኮነን ቴክኖሎጂ ተጠቒመ ከካብ ዘለውዎ ክብጥሶም እየ” እናበለ ኣብ ኣደባባይ ንከፈራርሕ ይፍትን ኣሎ ኢሉ።

ሃገራዊ መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ግዜ ገደብ “መስራቲ ጉባኤ ኣይተኻየደን” ብዝብል ‘ጥሕሰት ሕጊ’ ሕጋውነት ውድብ ህወሓት ካብ ግንቦት 6/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ከም ዝተሰረዘ ይዝከር።

ከም ህዝቢ ምቕፃልን ዘይምቕፃልን ናይ ህልውና ፈተና ኣብ ቅድሜና ተደቂኑ ብምህላው ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ትግራዋይ ሓድነቱ ኣስጢሙ ክቃለስ ዝፀወዐ ኣቦ ወንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ግዝኣታዊ ሓድነት ዘይምምላስ ጥራሕ ዘይኮነስ ብሓፈሻ ትግራይ ንምውራር ሓዱሽ ሓደጋ ይመፅእ ከም ዘሎን ከም ህዝቢ ምቕፃልን ዘይምቕፃልን ናይ ህልውና ፈተና ኣብ ቅድሜና ተደቂኑ ብምህላው ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ትግራዋይ ሓድነቱ ኣስጢሙ ንክቃለስ ፃውዒት ድሕሪ ምቕራብ መሰል ዓርሰ ውሳነ ንምርግጋፅ ናብ ከቢድ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ኣቲውና ኣለና ኢሉ።

”ንሓድነትና ዝዘርጉ ኣካላት ብፅንዓት ተቃሊስኻ ብምስዓር ካብ የካቲት 11 ዝተምሃርናዮ ሃፍቲ ብምዕቃብን መበል 51 እነክብሮ በዓል የካቲት ቃልና ብምሕዳስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘንፀላለወ ሓደጋ ንምቕንጣጥ ክንሰርሕ ኢና” ክብል ሓቢሩ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብ ዝሃቦ መግለፂ።

ንሕና ምስ መንግስቲ ፌደራል ንዛተ እምበር ንዋጋእ ኣይበልናን፤ ይኹን ደኣ እንበር ዝኮነ ይኹን ሓይሊ ኣንበርኪኹ ክገዝአና ኣይንፈቅድን ዝበለ ዶ/ር ደብረፅዮን ሐዚ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ የፀግዕ ኣብ ዘለሉ እዋንን ዋላኳ ብሰራዊቱ ተኸቢብና እናሃለናን ንሰላም ካብ ዘለና ቁሩብነት ዘለው ፀገማት ብዘተ ንክፍትሑ ፃዕሪ እናገበርና ንርከብ ኢሉ።

ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ መግለፂኡ ”ንዘተ ሰላም ረጊፁ ከንበርክኸና ንዝመፅእ ሓይሊ ኣይንዕገስን ነዚ ዝፃወር ትግራዋይ የለን፤ ከም ህዝቢ ነበረያ ነበረ ክገብሩናን ካብ ምድረ ገፅ ከጥፍኡናን ንዝሰርሑ ኣካላት ኢድና ዓፂፍና ኮፍ ኣይንብልን፤ ናትና ምድላው ከም 2013 ዓ.ም ኣይኮነን” ክብል ሓቢሩ።

ብሓይሊ እንተኾይኑ ኩሉ ክንገብሮ ንኽእል ኢና፤ ኩሎም ዓቕምታት ኣለዉና ክብል ዝተሰመዐ ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን፣ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣብዚ ቕነ’ዙይ እውን”ብሓይሊ እንተኾይኑ ኩሉ ነገር ክንገብሮ ንኽእል ኢና፣ ኩሎም ዘድልዩ ዓቕሚታት ኣለውና እዮም” ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።

ብድሕሪኡ እንታይ ከምዝተፈጠረ ሪኢናዮ ኢና። እቲ ኣብ ባይታ ዝረኤናዮ ሓቂ ምስቲ ናቱ መደረ ክሳብ ክንደዩናይ ይጠዓዓም ዝብል’ውን ኩሉ ዝፈልጦ እዩ ዝብል ምላሽ ዝህቡ ዘለዉ ተዓዘብቲ
ሎሚ ድማ ትግራይ ናብ ካሊእ ዙር ዓብዩ ፈተና ትኣቱ ኣላ። ንትግራይ ካብዚ ፈተና’ዙይ ከውፅኣ እየ ኢሉ ተጣይሹ ናይዘሎ ብሄራዊ ኮሚቴ ኣቦወንበር ድማ ባዕሉ ዶ/ር ደብረጽዮን እዩ። ኣብዝሓለፉ ማዓልታት ኣብ ዝተገብረ ናይ ህወሓት ማእከላይ ኮሚቴ ኣኼባ እቲ ኣቦወንበር ከምታ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ዝበላ “ኩሉ ምድላዋት ወዲእና ኢና” ኢሉ ኣሎ ዝብል ግብረመልሲ ይህብሉ ኣለዉ።

“ውድቀት መሪሕነት ኣጋጢሙኒ” ዝበለ መሪሕነት፤ ባዕሉ ዳግም መሪሑ ዘዐውቶ ቃልሲ የለን ኽብሉ እውን ንመግለፂ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣመልኪቶም ተቋውሞኦም የስምዑ ኣለዉ።

ኩሉ ሚድያ ዜና ዴስክ፡ ንማሕበረሰብ ሓበሻ ንቕሓት ንምፍጣር፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ቁጠባን ባህልን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘተኮረ ዓሚቑ ጸብጻባት የቕርብ።

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Advertisement

Stay Updated with Kulu Media

Get trusted news and stories delivered to your inbox.

Trending