Connect with us

ሰበር ዜና

ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈንጀረ ነታጒ ብዙሓት ኣሰንቢዱ

Kulu Media News Desk

Published

on

ሰበር ዜና፡ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈንጀረ ነታጒ ብዙሓት ኣሰንቢዱ

መቐለ – ሎሚ ለይቲ የካቲት 5/2018 ዓ.ም (የካቲት 12, 2026) ሰዓት 3፡30 አከባቢ ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ፡ ዙርያ ዩኒቨርሲቲ መቐለ (ካምፓስ ዓዲ ሓቂ) ዝተፈንጀረ ነታጒ ንነባሪ እታ ከተማ ስግኣት ፈጢሩ ሓሊፉ።

ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ከተማ መቐለ ንመቐለ ኤፍ ኤም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ በቲ ተፈንጂሩ ዝነበረ ነታጒ መቐለ ኣብ ሰብ ይኹን ኣብ ንብረት ዝበጽሐ ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ከምዘየለ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

መርመራ ኣብቲ ዘጋጠመ ምፍንጃር ነታጒ

እቲ ቤት ጽሕፈት ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ዝተፈንጀረ ነታጒ ሰላም እታ ከተማ ንምዝራግን ህዝቢ ንምሸባርን ብዝዓለሙ “ሓይልታት ጥፍኣት” ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ እዩ ብምባል ብፍላይ ድማ በዓል ለካቲት 11 ብሰላም ከይኽበር ንምዕንቃፍ ዝተወጠነ ምዃኑ ተገሊጹ። ቅድሚ ኣዋርሕ’ውን ኣብዚ ተመሳሳሊ ቦታ ተመሳሳሊ ናይ ሽብር ተግባር ተፈጺሙ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

“እቲ ኣብ መቐለ ዝተፈንጀረ ነታጒ ብድምጹ ንህዝቢ ኣደናጊጹ እዩ” ዝበለ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ፖሊስ መቐለ ምስ ካልኦት ኣካላት ጸጥታ ብምውዳድ ነቶም ፈጸምቲ ገበን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምውዓል ብትኹረት ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ሰላምን ጥንቃቐን

ህዝቢ መቐለ ተረጋጊኡ ከባቢኡ ክሕሉ ዘተሓሳሰበ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ብዛዕባ ኣፈጻጽማ እቲ ተግባርን ፈጸምቱን ዝምልከት ዝርዝር መርመራ ምስ ተወደአ ወግዓዊ ሓበሬታ ከምዝወሃብ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኩሉ ሚድያ ነዚ ዝግበር ምርመራ እናተኸታተለ ከምዘቕርበልኩም ክንገልፀልኩም ንፈቱ።

Read it in English

ኩሉ ሚድያ ዜና ዴስክ፡ ንማሕበረሰብ ሓበሻ ንቕሓት ንምፍጣር፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ቁጠባን ባህልን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘተኮረ ዓሚቑ ጸብጻባት የቕርብ።

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Advertisement

Stay Updated with Kulu Media

Get trusted news and stories delivered to your inbox.

Trending