News
ካብ ተከዘ ምሕላፍ ተኸልኪሉ ።

ካብ ሽረ ናብ ማይፀብርን ኢሉ ውን ካልኦት ከባብታት ፀለምቲ ዝግበር ዝነበረ መጎዓዝያ መኻይን ደው ክብል ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።
ኣብ ፀለምቲ ዘሎ ኩነታት ናብ ዘሰክፍን ሓደገኛ ኩነታት ይሰጋገር ምህላው ብተደጋጋሚ ምግላፅና ዝዝከር እዩ።
ኣቐዲሙ ፋኖ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ሶሮቃን ሶላን ብምክልኻል ሃገር ሙሉእ ብምሉእ ከምዝተደምሰሰ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመላኺቱ ኣሎ።
በቲ ሓደ ገፅ
ሓይልታት ፋኖ ምስ ኤርትራ ዝራኸብሉ መስመር ንምኽፋት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሰፊሕ ምንቅስቓስ የካይዱ ምህላዎም ዝግለፅ ዘሎ ኾይኑ በቲ ኻሊእ ወገን ድማ ዛጊድ ኣብ ዝተጀመረ ምምላስ ተመዛበልቲ ህዝቢ ደቡብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ብዙሓት ዓንቀፍቀፍትን ማሕለኻታትን የጓንፎ ምህላው ናይዚ ምኽንያት ድማ ንፁር ትልምን እኹል ምድላውን ዘይምግባር ከምኡ ውን ቀጥታ ዝምልከቶም ኣካላት ዘየሳተፈ ምኳኑ ብተደጋጋሚ መረረታት ይቀርበሉ ኣሎ ።
ምስ እንቀዓ ፀገማቱ ዝተጀመረ ከይዲ ምምላስ ተመዛባሊ ህዝብና ዘይሐጎሰም ሓይልታት ድማ ህዝብና መሊኡ ከይምለስ ከምኡ ውን ዝተመለሰ ህዝብና እንተኾነ እውን ቐሲኑ ሂወቱ ከይመርሕ ኣብ ምግባር ዝርከቡ ኾይኖም ከም መርአያ ኣብ ከባቢታት ደቡብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ምምሕዳር ሙሉእ ንሙሉእ ዘይምፍራሱ ከምኡ ውን ዕጡቓት ዕጥቆም ዘይምፍተሖም ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ተመላሲ ህዝቢ ዘብፅሕዎ ዘለው ጭቆናን በደልን ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናሓየለ ብምኻዱ ኩነታት ተመላሲ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ይግለፅ ኣሎ።
ብወገን ምዕራብ ትግራይ ድማ ወላ እቲ ከይዲ ምምላስ ብዕሊ ኣይጀመር፤ ነዚ ዘይተርፍ ዝመስል ምምላስ ተመዛበልቲ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ዝተዓዘቡ ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ኩለን ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከበድቲ ውግኣት ኣብ ምክያድ ይርከቡ።
ብምዃኑ ድማ መንግስቲ ፌደራል፣ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ኮነ ካልኦት ዝምልከተኩም ዓለም-ለኸ ትካላት ካብ ዝሓለፈ ከይዲ ምምላስ ተመዛበልቲ ደቡብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ትምህርቲ ብምቕሳም ንፁር ትልምን እኹል ምድላውን ብምግባር ናብ ምዕራብ ትግራይ ዝግበር ምምላስ ተመዛባሊ ፍፁም ሰለማዊ፣ ስሉጥን ውሑስን ክኸውን ከምኡ ወን ንብረት ህዝብን መንግስትን ካብ ስርቅን ዕንወትን ክሕሎ ፃዕሪታት ክግበር ከምዘለዎ እዩ ተገሊፁ ዘሎ።
ፋኖ ናብ ከተማ ሑሞራን ዳንሻን ንምቁፅፃር ምስ መከላክያ ሰራዊት ተኹሲ ከፊቱ ዝቐነየ እንትኸውን ምኽንያት እዚ ምንቅስቓሱ ድማ ቀሊል ዘይብሃል ቦታ ተቖፃፂሩ ብቀጥታ ምስ ኤርትራ ዝራኸበሉ መንገዲ ምኽፋት ፤ እንተተሳኽዒሉ ድማ ምሉእ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ኢዱ ንምእታው ከምዝኾነ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት ።
ምዕራብ ትግራይ ንምምላስ ዝግበር ዘሎ ከይዲ
ምዕራብ ትግራይ ንምምላስ ዝግበር ዘሎ ከይዲ ምፅራይ ይቅፅል ኸምዘሎ ዘመልክቱ ሓበሬታታት ስልኪ ኣብ ገለ ከባቢታት እቲ ዞባ እውን ተዓፅዩ ምህላው ይገልፁ ።
እዚ ኾይኑ እናሃለወ ግና ተመዛበልቲ ካብ ወረዳታት ፀለምቲ ዳግማይ ናብ ሽረ ይምለሱ ምህላዎም ምግላፁ ካሊእ ሻቅሎት ዝፈጠረ ዛዕባ ኾይኑ ኣሎ።
እዚ ብሰለስተ ዙራት ዝተኻየደ ምምላስ እዞም ተመዛበልቲ ተስፋ ዝህብ እኳ እንተነበረ እቶም ናብቲ ዝዓነወ ገዝኦም ዝተመለሱ ዘጋጠሞም ኩነታት ግን እቲ ስቓይ ከምዘይተመሓየሸ ካብቲ ካባቢ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣሰንዩ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብዘውፀኦ ሓበሬታ ገሊፁ ነይሩ እዩ።
ኣውያት እዞም ተመለስቲ ተመዛበልቲ ዝሰምዕ ብዘይምርካቡ ናብ ሽረን ካልኦት ካባብታትን መፅለሊ ሃሰው ክብሉ ይረኣዩ ኣለው።
ጨካን ተግባር እዞሞ ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን መላፍንቶምን ድማ መንገዲ ማይፀብሪ ሽረ ከምኡ እውን ተከዘ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ደው ክብል ገይሮም ኣለው። ብወገን ትግራይ ግን ዛጊድ ነዚ ኣመልኪቱ ዝተባህለ ነገር የለን።