News

መግለፂ ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

Published

on

ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ንሚድያታት መብርሂ ኣብ ምሃብ ይርከቡ።

  • እቲ ዝወፀ ሓዱሽ መማሓየሺ ኣዋጅ ንሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ዘይምልስ ምዃኑ ዘቲናሉ ኢና። ውድብና ኣፍልጦ ክረክብ ኢሉ መኸተ ህዝቢ ትግራይ ኣይሕንሽሽን። እቲ ሓዱሽ ኣዋጅ ውዕል ፕሪቶርያ እውን ዘፍርስ እዩ።
  • ናብ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝፀሓፍናሉ ምኽንያት ምስ ኣካላት ፌደራል ብዝገበርናዮ ምርድዳእ በቲ ትደልይዎ ፀሓፉ ብዝብል ኢና ስለዝተረዳዳእና እዩ።ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ሕጋዊ ሰብነት ውድብና ክምለስ ድማ ሓቲትና።
  • ሕቶና ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነትና ይመለስ እዩ። ቦርድ መረፃ እውን ሕቶና ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነትና ይመለስ ዝብል ምንባሩ ጠቒሶም እዮም።
  • እቲ ዝሃቡና ምላሽ ሽዑ ንሽዑ እውን ከምዘይንቕበሎ ገሊፅናሎም ኢና። ከም ፈፃሚ ስራሕ ዘቲና ድማ ብዕሊ ንሕቶና ዝምልስ ስለዘይኮነ ከምዘይንቕበሎ ገሊፅና ኣለና።

Watch On YouTube

  • ኣፍልጦ ከይንረክብ ካብቲ ንሶም ዝፈጠርዎ ዕንቅፋት ብተወሳኺ ኣብ ውሽጥና እውን ዕንቅፋት ኔሩ እዩ።
  • ሕዚ እቲ ከይዲ ናብ ፓለቲካዊ ዘተ እዩ ዘምርሕ። ብኣና መዳይ ብትዕግስቲ ሰሪሕና ኢና።
  • ኣድላይነት ጉባኤ ውድብና ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ከምዘድሊ ኢና ንርኢ ዘለና።

ተዛማዲ ዛዕባ፡ “ጥያቄው ሌላ መልሱ ሌላ ሆነዋል”- ህወሓት

ስዓቡና

YouTube

Facebook

TikTok

Instagram

Trending

Exit mobile version