Politics
ኣብ መንጎ መሪሕነት ህወሓት ግልፂ ምግምማዕን ምጥቅቃዕን ከምዘሎ ተገሊፁ ።
ሕቡእ ተግባር መሪሕነት ትግራይ ዝተቃለዐሉ ቃለ መሕተት ተኻይዱ ኣሎ ።
ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ብግቡእ ስርሑ ንከይሰርሕ ዝዕንቅፍ ግልፂ ጉጅለ ከምዘሎ ድማ ተመላኺቱ ኣሎ ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ዝሰርሖም ስራሕቲ ዘቆናፅብን ምሕደርኡ እውን እንተይተረፈ ከፍርስ ዝፅዕር ገዚፍ ሓይሊ ኣሎ ክብል ኣባል ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ትግራይን ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ተዛሪቡ።
እቲ ሓላፊ ነዚ ዝበለ ኣብ UMD ዝተባህለ ሚዴያ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት መንግስቱ ኣብ ዝተዋህቦ ዕማምን ወፍርታትን እግሪ እግሪ ናሰዓበ ከቆናፅብ ዝፅዕር ሓይሊ ኣሎ ክብል ተዛሪቡ ኣሎ። እቲ ሓላፊ እቲ ሓይሊ መን ምዃኑ እኳ እንተዘይነፀረ መንግስቱ ዝመስረቶ ምምሕዳር ኣብ ባይታ ወሪዱ ግቡኡን ሓላፍነቱን ከይዋፃእ ሙሉእ ዓቕሙ ጉልበቱ,ፋይናንሱን ወዲቡ ይሰርሕ ምህላዉ ኣይተ ረዳኢ ገሊፁ ኣሎ።
ብዛዕባ ምምላስ ተመዛበልቲ መሰረት ብምግባር ዝነበረ ኣፈፃፅማ እንታይ ይመስል ተባሂሉ ዝተሓተተ ኣይተ ረዳኢ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብስምምዕን ብምውዳድን ዝተሰርሐ ስራሕ ኮይኑ እናሃለወ “ኣነ እየ መሊሰኩም” እናበለ ዝፍክር ዓንቃፊ ኢሎም ዝፀውዕዎ ሓይሊ ከምዘሎ ኣቃሊዑ ኣሎ።

ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተሰርሑን ክስርሑ ዝተተለሙ ስራሕቲ እቲ ኣብ ወረዳን ኣብ ጣብያን ዝነበረ መሪሕነት ሕዚ እውን የቆናፅቦን “ኣነ እንተዘይ ሃልየ ሃላዋት ኣይኮነን ” ኢሉ ዝምካሕ ሓይሊ ከምዘሎ ዝገለፀ ኣይተ ረዳኢ ነዚ ንምፍታሕ ኣብቲ ን60 መዓልቲ ቀፂሉ ዝነበረ ኣኼባ እውን እንተይተረፈ ፍልፍል ዓወት ገይሩ ዝወስድ ሓይሊ ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ኩነታትን ፃዕሪ ይገበር ምህላው ኣመላኺቱ።
ንህዝቢ መገልገሊ ተባሂለን ዝተተኽላ ማይቡንባ ዝሰረቑ ጓሓሉ ኣብ ምፅራይን ዝምልከቶ ኣካል ይሰርሐሉን ምርመራ የካይደሉን ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ, እቲ ስርቂ ድማ ኣካል ምድኻም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኑ ብሰፊሑ ከምዝተሰርሐሉን ኣገንዚቡ።
ተዛማዲ ዛዕባ፡ ምግምማዕ መሪሕነት ህወሓት ንምምላስ ምዕራብ ትግራይ ስግኣት…
ኣብቲ መንግስቱ በቢሰሙኑ ዝግምግሞም ስራሕቲ እዚ ብግልፂ ዘይነፀሮ ሓይሊ ፍልፍል እቲ ትግራይ ሕዚ ኣትያቶቶ ዘላ ፀጥታዊ, ማሕበራዊ ኢሉ እውን ዘይምርግጋእ ከምዝኾነ ካቢኔ ግምት ከምዘልዕሎን እቲ መንግስቱ ጀሚሩዎ ዘሎ ምውሳድ ስጉምቲ ኣብ ስርቂ ሓፂን መፂን, ማይቡምባ, ዘይሕጋዊ ዕደናን ቀፃሊ ኣጠናኺሩ ዝቕፅሎም ዕማማት ከምዝኾኑ ኣገንዚቡ።
ኣይተ ረዳኢ, ስራሕን ሓላፍነትን ግዝያዊ ምምሕዳር ነቲ ኣብ ዝቕፅል እዋን ዝምስረትን ብመረፃ ዝምስረት መንግስቲ ጥጡሕ ባይታ ዘመቻቹ እምበር ዝተዋህቦ ሓላፍነት መንግስቲ ክውንኖ ዝግባእ ዓቕምን በጀትን ከምዘይብሉ እዩ ኣብ ዝሃቡዎ ሪኢቶ ገሊፁ ኣሎ።
ብዛዕባ ተናቢብካ ምስራሕን ሓበራዊ ገምጋም ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳርን ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ ድማ ” ኣብ እነከይዶ ገምጋም ከምዘይንረዳዳእ ደምዲምና ኢና ንኣቱ ኣብ ክንዲ መፍትሕታት እነቕምጥ እንጠቓቐዐሉን አንፀላለመሉን ግዘ ይበዝሕ ክብል እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቱን ውድቡን ዘሎ ምስሕሓብ ኣነፂሩ ኣሎ።