ትግርኛ
ፕ/ ጌታቸው ረዳ ኣብ ተምቤን ካብ ዘልዕልዎም ነጥብታት

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ነበርቲ ከተማ ዓብዩ ዓዲ ይዝትዩ ኣለዉ።
ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብቲ መድረኽ ካብ መንጎ ዘለዓልዎም ነጥብታት:-
- ሐዚ ኣብ ትግራይ ካብ ግዳማዊ ፀገማት ንላዕሊ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሕመቕ እዩ ዋና ፀገምና
- እቲ ስምምዕ ሰላም መስዋእቲ ዝተኸፈሎ እዩ።
- ናይ መጀመርታ ዕላማና ብሰንኪ ኲናት ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መርበቱ ዝምለሰሉን ብሰንኪ ኲናት ዝተኣጓጎለን ዝዓነወን ስራሕትና ዳግም ንምህናፅን ንምጥንኻርን እዩ
- ሕዚ እውን ኣብ ደቡብ :ፀለምትን ምዕራብ ትግራይን ከበድቲ ፈተናታት ይገጥሙና ኣለው።
- ሰራዊትና ኣብ ዓውደ ኲናት ዘመዝገቦ ዓወት ኣብ ልሞዓት እውን ክደግሞ ብዕሊ ክስራሕ እዩ።
- ሐዚ እውን ዘይተወደአ መኸተ ኣለና።
- ብሃበ ተረኸበ ናብ ኲናት ነምርሐሉ ምኽንያት ክህሉ የብሉን።
- ፖሊቲካ ትግራይ ክዝምን ኣለዎ:ህዝቢ ሙሉእ ተሳትፎ ክህልዎ ክንገብር ኣለና።
- ግዝያዊ ምምሕዳር ነዚ ሱር ዝሰደደ ፀገም ኣብ ሓደ ለይቲ ክፈትሖም ኣይኽእልን።
- ፖሊስ ይኹን ፀጥታ ናይ ሓደ ውድብ ኮይኖም ዝቕፅልሉ ዕድል ክህሊ የብሉን: ህዝቢ ማእኸል ክገብሩ ኣለዎም።
- ህወሓት ተጠናኺሩ ክቅፅል ኣለዎ ማለት ብሕታዊን ዓብላላይን ይኹን ማለት ኣይኮነን።
- ኣብ ተሳትፎ ህዝብን ዘሎ ፀገም ፀጥታን ዘይተፈትሑ ጉድለታት ኣለው: ተሎ ክንእርሞም ኣለና።
- ህልውናና መሊኡ ክሳብ ዝረጋገፅ ክህልወና ዝግባእ ሓይሊ ፀጥታ ሒዝና ዘለውና ፀገም ፀጥታ ክንፈትሕ ኢና።
- ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ኣኼባ ዘባኸንናዮ ግዜ ሐዚ ህዝብና ብስራሕ ንኽሕሰሉ እዩ።
- ምስ ህዝብና ኮይንና ዘይንፈትሖ ፀገም የለን።ዝብሉን ካልኦትን ሓሳባት ኣልዒሎም ይዝትዩ ኣለው።