News
ፕረዝዳንት ጌታቸው ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት
ፕረዝዳንት ጌታቸው ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ተረኺቦ ካብ ዝገበርዎ መደረኦም:

🎯ኣብዚ ሐዚ ስዓት ኣብ መንጎ ግዝያዊ ምምሕዳርን ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ዝብሃል ግጭት የለን። ኣብ ገገሊኦም በዚ መንገዲ ንምምሳል ዝግበር ምንቅስቃስ ኣሎ።ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተጣየሸሉ ዕማማት ኣለው።ነቶም ዕማማት ክሳብ ዝፍፅም ናይ ግድን ስራሕ እናሰርሐ ክፀንሕ እዩ።ኣብ ውሽጢ ውድብና ዝተፈጠረ ምግምማዕ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ህዝብና ከፈላልይን ከገማምዕን የብሉን።
🎯ናይ ደገ ሰልፍታታ ዝኸልከለ ሓይሊ ፀጥታ ትግራይ የለን።ሓይሊ ፀጥታና ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋጽ መስዋእትነት ዝኸፈለ ሐዚ እውን ዕማማትና ክሳብ ዝውድኡ ተጠናኺሩ ዝቅፅልን ኩሉ ዓይነት ደገፍ ክንገብረሉ ዝግባእ እዩ።ሓይሊ ፀጥታና ናይ ሕልውናና መሰረትን ደቅና መስዋእትነት ከፊሎም ዘፅንሕዎ ሓይሊ እዩ።
🎯ኣብቲ ናይ ሎሚዓንቲ ዝነበረ ምንግልታዕ ኣኬባ ንምኽልካል ዝተገበረ ዘይኮነስ ስርዓት ብዘለዎ መንገዲ መድረኽና ክካየድ ድሕንነትና ክህለው ዝተገበረ ምዃኑ ህዝብና ክፈለጥ ኣለዎ።