News
ሕዚ ኣብ ከተማ መቐለ !!

ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ብፍሉይ ድማ ፓለቲካዊ ኩነታት ህወሓት መሰረት ዝገበረ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ ።
ብብርኪ ትግራይ ካብ ወረዳ ክሳብ ክልል ዝርከብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ይዝቲ ኣሎ።
ኣብቲ ዋዕላ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት፣ ማእኾላይ ኮሚሽን ቁፅፅር ህወሓት ፣ ኣመራርሓ ክልል፣ ዞባ፣ወረዳን ካልኦትን ይሳተፉ ከምዘለው ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ምክትል ኣቦ ወንበር ወድብ ህወሓት ከምዝበልዎ ውድብ ንምድሓንን ኩነታት ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ እዚ መድረኻት ዘተ ወሳኒ እዪ ኢሎም።
እቲ ዋዕላ ብፍላይ ድማ ነባር ውድብ ህወሓት ሕጋዊ ሰውነት ኣብ ምምላስ ዓሊሙ ይዝቲ ከምዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።