News

ደብዳቤ ተቓውሞ ፕ/ ጌታቸው ረዳ ናብ ቦርድ መረፃ

Published

on

ብሽም ውድብ ህወሓት ዝግበር ከም ብሓድሽ ናይ ምምዝጋብ ከይዲ ደው ክብል ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣተሓሳሲቡ ።

እቲ ንፕረዝዳንት ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ዛጊድ ቁፅሮም ዘይተፈለጠ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ዝተፅሓፈ ደብዳቤ
” እቲ ብሽም ውድብና ዝግበር ዘሎ ከም ብሓዲስ ናይ ምምዝጋብ ተግባር ከምዘይንፈልጦን ፈፂምና ድማ ከምዘይንቕበሎን እናገለፅና እዚ ምንቅስቓስ እዚ ብህፁፅ ደው ንክብል ኣጥብቕና ንሓቲት።

እዚ ከይኮነ እንተተሪፉ ግን ነዚ ምንቅስቓስ ዝመርሕን ዘተሓባብርን ዘሎ ኣካል ነዚ ጥፍኣት እዚ ስዒቡ ንዝመፅእ ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ሙሉእ ብሙሉእ ተሓታቲ ክኾን ከምዘለዎ ነፍልጥ።

ተዛማዲ ዛዕባ፡ህፁፅ መልእኽቲ ፕ/ ጌታቸው ረዳ ናብ ኩሉ ትግራዋይ

መላእ ኣባላት፣ ኣመራርሓን ደገፍትን ውድብና ድማ እዚ ብሽም ህወሓት ዝግበር ዘሎ ናይ ውልቀሰባት ቀይዲ በተኸ ምንቅስቓስ ብህፁፅ ደው ብምባል ውድብኩም ኣብ ምድሓን እጃምኩም ንክተወፍዩ ፃውዒትና ነቕርብ “ዝብል እዩ።

ስዓቡና

YouTube

Facebook

TikTok

Instagram

Trending

Exit mobile version