News
“ጀነራል ታደሰ ኣካል ውድቀት መሪሕነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እዩ” ኣይተ ጌታቸው ረዳ
ፖለቲካዊ ውጥጥ መሪሕነት ትግራይ ዕማማት ግዝያዊ ምምሕዳር ከይፍፀም ሓሊኹ ኸምዝሓዘ ዝገልፅ ኣይተ ጌታቸው ጀነራል ታደሰ ድማ ብዋናነት ኣካል እዚ ውድቀት እዩ ክብል ከሲሱ።
ኣብዚ ቅነ ካብ ሓላፍነቱ ዝተሰናበተን፡ ፕረዚደነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንጀነራል ታደሰ ወረደ ዘረከበን ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ እዋናዊ ጉዳያትን ምምሕዳሩ ዝገጠሞ ማሕልዀን ኣመልኪቱ ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ‘ፎከስ ኦን ኣፍሪቃ’ ዋሂጋ ማውራ ዝገበሮ ቃለመሕትት ነቲ ኣብ ስልጣን ዝነበርካሉ ክልተ ዓመት፡ ምልስ ኢልካ እንተ ርኢኻዮ፡ ‘እንታይ እዩ ቀንዲ ዓወተይ’ ምበልካ? ዝብል ሕቶ ዝቀረበሉ ኮይኑ ጽቡቕ፡ ናብ ንጡፍ ግጭት ክንምለስ ተኽእሎ ነይሩ፤ ካብኡ ከም ዝተቘጠብና እኣምን። እዚ ጥራሕ እየ ክብል ዝኽእል ኢሉ።
ቢቢሲ፡ ብዛዕባ ዕድመ ስልጣንካ ዝዀነ ጣዕሳ ኣለካ ድዩ? ዝሓለፈ ዕድላት? ዝብል ሕቶ ዝወሰኸሉ ኮይኑ እወ፡ ከም ምምላስ ተመዛበልቲ ዝኣመሰሉ፡ ኣቐዲምና ክንገብሮም እንኽእልን ክንገብሮም ዝግበኣናን ነገራት ኣለዉ፤ በዚ እጠዓስ። እቲ ዘሕዝን ድማ እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሃዋህው – ዘይረብሕ ውሽጣዊ ፍሕፍሕ ነዚ ዳርጋ ከም ዘይከኣል ገይሩዎ ኢሉ።
ነቲ መስርሕ ንምዕንቃፍ ብወገን ፖለቲካዊ መሪሕነት ብዙሕ ጻዕሪ ነይሩ፣ ካብ ናተይ ኣመራርሓ ከይተረፈ። ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ጥራሕ ግን ኣይኰነን። ብመጠኑ እቲ ወተሃደራዊ መሪሕነት እውን ኣካል ናይዚ ዕንቅፋት እዩ ነይሩ ዝበለ ኣይተ ጌታቸው
ብርግጽ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ብዓይኒ ሕጊ ኣብ ካልኣይ ዓመት ምምስራቱ የብቅዕ። ዝዀነ ይዅን ውሳነ ስልጣኑ ንምንዋሕ ድማ ብቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኣቢሉ ክኸይድ ይግባእ። ካልኣይ ድማ ብርግጽ መንግስቲ ፈደራል ለውጢ ምግባር ከም ዘድሊ ተሰሚዑዎ፣ ከምኡ ምባሎም ድማ ምኽኑይ ይመስለኒ። እቲ ኣገዳሲ ግን ንዓይ ዘይኰነስ፡ ንህዝቢ ትግራይ እውን ናብ ጸገም ዘእቱ ዘሎ ውሽጣዊ ውድባዊ ሽርሒ እዩ ኢሉ።
ሓደ ወገን ህወሓት ነዚ መስርሕ ክዕንቅፍ ጸኒሑ እዩ። ብሓቂ ክርአ ከሎ ኵሉ ዓይነት ጸቕጢ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም። ‘እገለ ወይ ድማ እዚ’ እናበሉ ንመንግስቲ ፈደራል ኣማራጺ የቕርቡ ነይሮም፣ እቲ ግዝያዊ ፕረዚደንት ምምሕዳር ናይ ምሻም ሓላፍነት ዘለዎ ቀዳማይ ምኒስትር ክሳብ እዚ ግዜ`ዚ ‘ኣይፋል’ ክብል ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን፡ ምስ ምዝዛም ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ተዛሚዱ፡ ብሓቂ ካልእ ኣማራጺ ክንርእየሉ ዝግባእ ግዜ እንተዀይኑ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ሓቲቱኒ ዝበለ ኣይተ ጌታቸው ንኣብነት፡ ነቲ ስልጣን ተጠቒመ ተመዛበልቲ ምምላስ’ኳ ኣብ ዘይከኣልኩሉ እዋን፡ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ብፍላይ ዝግደስ ሰብ ኣይኰንኩን። ስለዚ፡ ልክዕ እዩ ነይሩ፣ በቲ ሓሳብ ተሰማሚዐ እየ ኢሉ።
ቢቢሲ፡ እስቲ ብዛዕባ ተካኢኻ ዝያዳ ንገረና፣ ብዛዕባ ሌተናል ጀነራል ታደሰ። ናቱ ሽመት ንኽልል ትግራይ እንታይ ማለት እዩ? ዝብል ሕቶ ዝቀረበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ
ጽቡቕ፡ ኣብዚ ጉዳይ ብዙሕ እንተ ዘይዛረብ ደስ እብለኒ። ምክትል ፕረዚደንተይ ኰይኑ ጸኒሑ’ዩ። ከም ሓደ ኣገዳሲ ሓላፍነት ዝነበሮ ሰብ፡ ካብቲ ኣነ ዝገደፍኩዎ ክለዓል ትጽቢት እገብር።
እንተዀነ፡ ንሱ ማዕረ ማዕሪኡ፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፡ ልዕሊ ኵላትና ዝያዳ ተሓታቲ ናይቲ ውድቀት እዩ ነይሩ። ሓደ ካብቲ ዘጋጥሞ ብድሆታት ድማ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ ምናልባት ናይቲ ልጓም ዘይብሉ ናይ ስልጣን ህርፋን ዘለዎ ክሳብ ሕጂ ስልጣን ተቘጻጺሩ ዝጸንሐ ውድብ ህወሓት ክኸውን እዩ። ከምኡ’ውን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣንጻር እዚ ፍንጫል ክንቀሳቐስ ዓቕሚ ኣለዎ ድዩ የብሉን ክርአ እዩ። ብናተይ ኣረኣእያ ግን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብዙሕ ተመኵሮ ኣለዎ። እንተዀነ፡ ኣካል እቲ ናይቲ ዝሓለፈ ውድቀት ስለ ዝዀነ፡ ደጋጊሙ ክሓስበሉን ክመሃረሉን ኣለዎ ይብል ብምባል ገሊፁ።
ሕጂ ንድሕሪት ተመሊስካ ብምርኣይ፡ እንታይ ጌጋታት ፈጺምካ? ውዕል ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ንኽዕወት ካብዚ ዝሓሸ እንታይ ክትገብር ምኸኣልካ? ዝብል ሕቶ ንዝቀፀለ ቢቢሲ ኣይተ ጌታቸው ኣብ ዝሃቦ መልሲ ኣዝዩ ብዝተወደበ ኣገባብ ክንሰርሐሉ ነይሩና።
‘ድርድር እንታይ ማለት ምዃኑ ሃዋሁ ዘይነበሮም’ ሓሙሽተ ኣባላት ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት ሒዝካ ዝስራሕ ነገር የሎን።
ንዅሎም መዳርግቲ ከነሳትፍ ይግባእ ነይሩ። ዝያዳ ስቪላዊ ማሕበራት ከነሳትፍ ነይሩና። ብሓፈሻ፡ ነቲ ብሰላም ምምላስ ህዝቦም ንምርግጋጽ ፍሉይ ድሌት ዘለዎም መንእሰያት ከነሳትፍ ይግባእ ነይሩ፣ ንሳቶም ጉዳይ ተመዛበልቲ ንዋጋ ዕዳታ ዘቕርቡ ኣይኰኑን። እቲ ቀንዲ ከስምረሉ ዝግበኣኒ ጌጋ ንሱ እዩ ብምባል ገሊፁ።
ብዛዕባ መፃኢ ዕጭኡ ዝተሓተተ እቲ ነበር ፕሬዚዳንት ኣብዚ ፖለቲካዊ ጸወታ ምስ ኣተና፡ ንህዝቢ ትግራይ ሓዱሽ መንገዲ ክንሕንጽጽ ሓንሳብ ፈቲንና ኣለና፣ ዝተርፈና ግና ብዙሕ እዩ። እዚ ምንቅስቓስ ሃንደበት ክገድፎ ዝኽእል ድማ ኣይኰነን።
ዝዀነ መርገጺ ሒዘ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ክሳተፍ እየ። እዚ ድማ፡ ኣብ ምምሕያሽ ህይወት ህዝቢ ትግራይ ኣበርክቶ ክገብር ተስፋ ኣለኒ።
ኣብ ምምሕዳረይ ዘለዉ ሰባት፡ ገሊኦም ብሕጋዊ መንገዲ፡ ገሊኦም ብዘይሕጋዊ መንገዲ፡ ምስ ኤርትራ ዝተዘራረቡ ኣለዉ። እቲ ናይ መወዳእታ ሕማቕ ነገር ግን ገለ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ካልእ ክንፊ፡ ነዚ ዕድል ተጠቒሙ ኣብ ናይ ሓባር ጸላኢኦም ምእታዎም እዩ፡ ዝደለየ ዓይነት ገምጋሞም ይዅን ዝበለ ኣይተ ጌታቸው ስለዚ፡ ኣስማት ክህበኩም ኣይኰንኩን፣ ግን እዚ ብሓቂ ይፍጸም ከም ዝነበረ እኹል መርትዖ ኣለኒ ብምባል ገሊፁ።
ቢቢሲ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ብርግጽ ድማ፡ ብዛዕባ ጀነራል ታደሰ እውን ስክፍታታት ከተልዕል ከለኻ፡ ኣካል ውድቀት ናይቲ ነዚ ዝሓለፈ ምምሕዳር ምንባሩ እንታይ ‘መርትዖ’ ኣለካ? ክብል ዝሓተተ ኮይኑ
ምክትል ፕረዚደንተይ እዩ ነይሩ። ከምኡ’ውን እቲ ዝተዋሃቦ ሓላፍነት፡ ስርሑ ክፍጽም ኣይከኣለን።
ንታደሰ፡ ንበይኑ ኣይኰንኩን ዝወቕሶ ዘለኹ። ብዛዕባኡ ዋላ ሓንቲ ዘይምግባረይ፡ እንተስ ምእላይ ወይ ምትካእ እውን ናተይ ውድቀት እዩ። ስለዚ፡ ሕዚ እውን ከምኡ ከም ዝበለ፡ እኹል መርትዖ ኣለኒ።
ስለዚ፡ ምክትለይ ስለ ዝነበረ ጉዳያት ጸጥታ ናቱ ሓላፍነት ነይሩ፣ ናይ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ሓላፍነት ነይርዎ። ብናተይ ኣረኣእያ፡ ብውድቀት ዝተመልአ እዩ። ናቱ ውድቀቱ ግን ናተይ ውድቀት እውን እዩ ክብል ኣይተ ጌታቸው ገሊፁ።