News

ሓደጋ ውሕጅ ኣብ ትግራይ

Published

on

1. ሓውዜን

    ኣብ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ቖራሮ ሎማዓንቲ 19 ነሓሰ 2016ዓ/ም 2ተ ህፃውንቲ ኣብ ሁሩየ /ንኸፍቲ መስተዪ ተባሂሉ ዝተሰረሐ ጉድጓድ ጠሊቖም ሞይቶም እዩም።

    2. ወጀራት

    ኣብ ዓዲ ቓይሕ ሎማዓንቲ 19 ነሓሰ 2016ዓ/ ክልተ ህፃውንቲ ደቂ ሓደ ሰብ ውሑጅ ወሲዱዎም።

    3. ኣላማጣ

    ኣብ ከተማ ኣላማጣ እውን ብቀዳም 11 ነሓሰ 2016ዓ/ም ሓደ ህጻን ብውሕጅ ተወሲዱ እዩ።

    4. ራያ ኣላማጣ

    ኣብ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ክሳብ ሐዚ ብውሕጅ ምኽንይታ ናይ 7 ሰባት ህይወት ዝጠፈአ እንትኾን ኣብ ንብረት ድማ ከቢድ ጉድኣት በጺሑ እዩ።

    5. ራያ ጨርጨር

    ብዕለት 09 ሓምለ 2016ዓ.ም ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ጣብያ ሓደኣልጋ ቑሸት ቐይሕ ተኽሊ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ክሳብ ሐዚ ኣብ ልዕሊ 91 እንስሳት ሓደጋ በፅሑ እዩ።

    ሐዚ እውን ክረምቲ ንደሓር ስለዝኾነ ኹሉ ሕ/ሰብ ክጥንቐቕ ኣለዎ።ኩሉ ሚድያ ንሰገናት መንግስተ ሰማያት ንስድራ ድማ ፅንዓት ይምነ።

    ስዓቡና

    YouTube

    Facebook

    TikTok

    Instagram

    Trending

    Exit mobile version