Connect with us

ዜና

መራሕቲ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

Kulu Media

Published

on

ኣመራርሓ ፓርቲ ብልጽግናን ህወሓትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ምኽክር የካይዱ ከምዘለዉ  ተፈሊጡ።

ኣመራርሓ ውድብ ህወሓትን ፓርቲ ልፅግናን ኣብ መቐለ ዝተጀመረ ዘተ ብምቕፃል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ 5 ሚያዝያ 2016 ዓ/ም ዘተ ምክያድ ከምዝጀመሩ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ምኽክር ድማ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ውድባት ዘተ ዝካየደሎም መትከላት ኣብ ምርድዳእ ብምብፃሕ ናይ ቀፃሊ ዘተ ዝካየደሎም ዛዕባታት ምንፃር ከምዝጀመሩ እውን ተሓቢሩ።

ዛጊድ ኣብ ፍሉያት ኣጀንዳታት ዝርዝር ዘተ ንምክያድ ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሑ እውን ተፈሊጡ። ብምክትል ፕሬዚደንት ውድብ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ብልፅግና ምስ ፈፃሚ ስራሕ ውድብ ህወሓት ብ24 መጋቢት 2016 ዓ/ም ኣብ መቐለ ዘትዩ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብቲ ዘተ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ፓለቲካዊ ዝርርብ ክልቲኦም ውድባት ቅድም ኢሉ ክጅመር ከምዝነበሮ ብምርድዳእ ኣብ ሓፂር እዋን ስሩዕ ዝርርብ ንኽጅምሩ ኣብ ስምምዕ ምብፅሖም ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኣብ ድሕረ ገፁ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብመሰረት እዚ ድማ ሎሚ 05 ሚያዝያ ብኣቦመንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል |ዶ/ር| ዝምራሕ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዙ ምስ ኣመራርሓ ውድብ ብልፅግና ተራኺቡ ይዝቲ ምህላው ተሓቢሩ ።


ካብ ኩሉ ሚድያ ተወሳኺ ይርከቡ

ሓደስቲ ሓበሬታ ብኢሜይል ንምርካብ ተመዝገቡ።

ካብ ኩሉ ሚድያ ተወሳኺ ይርከቡ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

ምንባብ ቀፅል