ፖለቲካ
ተቓውሞ ሰልፊ ተጋሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተጋሩ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ካልእ ኹናት ክጎትትዎ ዝፍትኑ ሓይልታት ካብ ተግባራቶም ክቑጠቡ ሓቲቶም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ካብ ንጉሆ ጀሚሮም ሰላም ቀዳምነት ሕርያ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ዘርእዩ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ።
ኣብ ተቓውሞኦም ሰላም ቀዳማይ ሕርያ ህዝቢ ትግራይ ስለዝኾነ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ካልእ ኩናት ክጎትትዎ ዝፍትኑ ሓይልታት እውን ካብ ተግባራቶም ክቑጠቡ ፀዊዖም።

ተጋሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ሕርያና ሰላም እዩ” ብዝብል ቴማ ሰላማዊ ሰልፊ እንተካይዱ ዝተመሓላለፉ ቀንዲ መልእኽትታት ️
• ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ሽግራትኩም ፈቲሕኩም ንህዝቢ ሰላም ኣምፅኡ፤
• ንትግራይ ልምዓት እምበር ካሊእ ኩናት ኣየድልያን፤
• ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ምንቅስቓስን ንጥፈታትን ብምዝራግ ዝረከብ ረብሓ የለ፤
• ቀዳማይ ሕርያ ህዝቢ ትግራይ ሰላም እዩ፣ ሰላም ብዝኾነ ነገር ክትካእ ኣይኽእልን፤
• ኣቦ ትግራይ ሰላም ርሕቕዎ ኣሎ፣ ሰላም ይምለስ፤
• ፖለቲከኛታት ትግራይ ፀገማትኩም ተዘራሪብኩም ብምፍታሕ ህዝቢ ካብ ኲናት ኣድሕንዎ፤
• መንእሰይ ትግራይ ንልምዓት እምበር ንኲናት ኣይተፈጠረን፤
• ኣዶ ትግራይ ኩናት ይኣኽላ፤
• ህዝቢ ትግራይ ናብ ኲናት ዳግም ንምምላስ ዝውሰድ ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ኣትሪሪና ንቃወሞ፤
• ኣብ ትግራይ ሕጊ ኣልቦነት ንምስፋን ዝውሰድ ዘሎ ስጉምትታት ብትሪ ንቃወም።


ካብ ኩሉ ሚድያ ተወሳኺ ይርከቡ
ሓደስቲ ሓበሬታ ብኢሜይል ንምርካብ ተመዝገቡ።
