Connect with us

ፖለቲካ

ሰራዊት ትግራይ ሰላም ትግራይ ንዝዘርግ ከምዘይዕገስ ኣጠንቂቑ።

Kulu Media

Published

on

ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ንመስርሕ ሰላም ንዝዘርግን ኣብ ሓደጋ ንዘእቱን ኣካይዳ ፈፂሙ ከምዘይዕገሱ ኣፍሊጦም።

ንከይዲ መስርሕ ሰላም ንንእድ ተሪፎም ንዘለው ምጉታታት ብምእላይ ብቑልጡፍ ተግባራዊ ክኸውን ይግባእ ዝበሉ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ንመስርሕ ሰላም ካብ ዝዕንቅፉ ተግባራት ምእዳብ ወሳኒ’ዩ ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ ሓይልታት ፀጥታ ዝፍፀሙ ዘለው ወፍሪ ዘመተ ጠቐነን መፀለምታን መንግስቲ ኣደብ ከትሕዞም ይግባእ ዝበሉ ሓይልታት ፀጥታ ንህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ሐዚ’ውን ኣብ ጎኑ ደው ከምዝብሉ ገሊፆም።
ወሲኹ ድማ
ህዝቢ ትግራይ ብዝጋጥሞ ናይ ህልውና ሓደጋ ንምምካት ከም ህዝቢ ኣብ ሓደ ሰሚሩ ክቡር ዋጋ ኸፊሉ ዓወት ኣመዝጊቡ ናብ ሰላማውን ፖለቲካውን ናይ ቃልሲ መድረኽ ተሰጋጊርና ንርከብ ዝበለ እንትኾን፣

ኣብዚ ንርከበሉ መድረኽ ዝጅመርናዮ ሰላማዊ መንገዲ ንምጥንኻር ውዕል ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ብምትግባር ፣ ኣብ ሉኣላዊነት ምኽባር ፣ ኣብ ፀጥታን ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅን ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ፀጥታ ሓይልና ፣ መኸተና ዘለዎ ብርክን ሕዚ ዘለዎ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይን ፣ ቀፃሊ ተግባራት ሓይሊ ፀጥታ ትግራይ ኩነታት ትግራይን ቀፃሊ ተግባራት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን መንግስቲ ኣብ ዝዳለዎ መድረኽ ብዝርዝር ተመያይጥና ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ በፅሕና ኣለና ኢሉ ።

ስዓቡና

ዩቱብ

ፌስቡክ

ቲክቶክ

ኢንስታግራም


ካብ ኩሉ ሚድያ ተወሳኺ ይርከቡ

ሓደስቲ ሓበሬታ ብኢሜይል ንምርካብ ተመዝገቡ።

ካብ ኩሉ ሚድያ ተወሳኺ ይርከቡ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

ምንባብ ቀፅል