ፖለቲካ
ፈተነ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ከተማ ኣክሱም
እቲ ካብታ ከተማ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ገረመድህን ተስፋይ ብዕለት 28/11/2016 ዓ/ም ስዓት 2:00 ናይ ምሸት ምስ መሳርሕቶም ኣብ ስራሕ ናይ መንግስቲ ውዒሎም ንገዝኦም ተፈልዮም ክኸዱ ኾነ ኢሎም ተኸታቲሎም ኣብ ከባቢ በሪ ገዝኦም ተፀንትዮም እቶም ሓላፊ ናብ ገዝኦም እንትኣትዉ ብጥይት ክልተ ግዜ ብምትዃስ ፈተነ ቅትለት ከምዝተፈፀሞም እቶም ሓላፊ ገሊፆም ዝብል እዩ።
ቀዳመ ሰንበት ናይ ዕርፍቲ ስዓቶም ከይተፀባፀቡ ደኺሙኒ ሰልቹኒ ከይበሉ ንህዝቦም ንዘገልግሉ ፈተነ ቅትለት ዝፈፀሙ ኣካላት ስዑራትን ሞራል ዘይብሎምን ስለዝኾኑ ፖሊስ ከተማ ኣኽሱም ድማ ተኸታቲሉ ፣ኣፃርዩ ውፂኢት እቲ ምፅራይ ኣብ ሓፂር ግዜ ሓበሬታ ንህዝቢ ክንገልፅ ንፎቱ ክብል ሓበሬታን ርክብን እታ ከተማ ገሊፁ።
ዛጊድ እቲ ዝተፈፀመ ፈተነ ቅትለት ዕላምኡ እንታይ ከምዝኾነ ካብ መን ዝተፈፀመ ምኳኑን ንምፍላጥ ኣይተኻእለን ዘሎ።

ቅድሚ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ብሂራዊ ዋዕላ ፓለቲካ ምሕደራ ትግራይ ምስ ኩነታት ፀጥታ ትግራይ ተሓሒዙ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኩነታት ፀጥታ ትግራይ ካብ ዝኾነ ይኹን ግዘ ንላዕሊ ኣብ ዝኽፍኣ ኩነታት ስለዝርከብ እዚ ንምፍታሕ ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተ ስራሕ ይሳለጥ ኣሎ ክብል ገሊፁ ነይሩ ።
ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዘረብኡ ዘይሕጋዊ ዕደና ተበራኺቱ ፣ ብሰንኪ እዙይ ዘይሕጋዊ ዕደና ብዙሕ ህይወትን ከባቢን ይጉዳእ ኣሎ። ጎቦታት ትግራይ ፣ ተሓራሲ መሬት፥ እፅዋት ይህሰ ኣሎ። ኣብ ዘይሕጋዊ ዕደና ቻይናውያን፣ ሱዳናውያን፣ ሴነጋላውያን ሓዊሱ ተሳትፎ ብርክት ዝበሉ ወፃእተኛታት ኣለዎ ክብል ምግላፁ ይዝከር ።
ውራ መሬት ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ፣ ክትራን ፣ ምድፍር ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ገበናትን ተበራኺቱ ኣሎ ክብል ፀገም ፀጥታ ትግራይ ዝዘርዘረ እቲ ጀነራል ፀጥታ ትግራይ ውሑስ ንምግባር ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝተዋፈሩ ኣብ ቁፅፅር ምውዓልን፣ ሰራሕቲ ሕጊ ምኽባር ክሳለጥ እዩ። እዚ ክትግብር ዝኽእል ሓይሊ ፀጥታ ኣለና። ምስ እዙይ ተተሓሒዙ ዝስርሑ ስራሕቲ ሕጊ ምኽባር እምበር ምስ ካሊእ ዘተሓሕዝ ነገር የቡሉን። ክብል ምግላፁ ይዝከር ።
ስዓቡና
ካብ ኩሉ ሚድያ ተወሳኺ ይርከቡ
ሓደስቲ ሓበሬታ ብኢሜይል ንምርካብ ተመዝገቡ።
