Connect with us

ፖለቲካ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ብሽም ሕጊ ምኽባር ናብ ትግራይ ክኣቱ ከምዝኽእል ተገሊፁ።

Kulu Media

Published

on

PM Abiy Ahmed may enter Tigray in the name of law enforcement.

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ትግራይ ክኣቱ ይኽእል እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ብሽም ሕጊ ምኽባር ናብ ትግራይ ክኣቱ ከምዝኽእል ይግለፅ ኣሎ።

ብኻሊእ ወገን ድማ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ንፕረዚዳንት ጌታቸው ብኻሊእ ንምትካእ ክሰርሕ ከምዝኽእል እዩ ዝሕበር ዘሎ።

እንተኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነዚ ንምዕፃው ዘኽእሎ ስጉምቲ ምውሳድ ይቅፅለሉ ከምዘሎ እዩ ተመላኺቱ ዘሎ።

እቲ ብዛዕባ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ ስርዓት ሎሚ ዝተሰመዐ ዜና፥

“ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ብስርቅን ካልኦት ገበናት ዋና ተሓተቲ ዝኾኑ ናብ ሕጊ እንተዘይኣቅሪቦም፣ ስልጣኖም ብኻሊእ ሰብ ንምትካእ ምኽረ ሓሳብ ከምዝቀረበን፣ ብሽም ሕጊ ምኽባር ናብ ትግራይ ንምእታው ድሌት ከምዘለዎን” እዩ ተገሊፁ ዘሎ።

ዘይምውዳእ’ ብደምቢ ዝገልፀና እናኾነ እዩ መፅዩ። ኾይኑ ግና እዚ ሐዚ ተጀሚሩ ዘሎ፣ ብዘይ ናይዝኾነ ኣካል ኢድ ኣእታውነት ሓላፍነት ዝተውሃቦ ኣካል ጥራሕ ዝመርሖ ስርዓት ናይ ምትሓዝ ስራሕ ጀሚርና ኣለና። እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ዝበፅሕን ለውጢ ዘርእን እዩ” ክብሉ ምክትል ፕረዚደንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።

General Tadesse Werede also announced that the measures currently being taken will continue to be strengthened.

ምስ ኩነታት ፀጥታ ትግራይ ተተሓሒዙ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ብሄራዊ ዋዕላ ፓለቲካ ምሕደራ ትግራይ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፥ ብሓፈሻ ኩነታት ፀጥታ ትግራይ ካብ ዝኾነ ይኹን ግዘ ንላዕሊ ኣብ ዝኽፍኣ ኩነታት ስለዝርከብ፣ እዚ ንምፍታሕ ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተ ስራሕ ይሳለጥ ኣሎ ኢሎም።

ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ዕደና፦

ጀነራል ታደሰ፣ ዘይሕጋዊ ዕደና ተበራኺቱ ከምዘሎን ብሰንኪ እዚ ድማ ብዝሃ ህይወትን ከባቢን ይጉዳእ ምህላዉን ሓቢሮም። ጎቦታት ትግራይ፣ ተሓራሲ መሬትን እፅዋትን ይህሰ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብዚ ዘይሕጋዊ ዕደና ድማ ቻይናውያን፣ ሱዳናውያን፣ ሴነጋላውያን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ወፃእተኛታት ተሳትፎ ከምዘለዎም ኣቃሊዖም።

“ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ይጓሓል፣ ገበን ድማ ይውስኽ ኣሎ” ክብሉ ጀነራል ታደሰ ኣጠንቂቆም።

ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዝገለፅዎ፣ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሃፍቲ ተፈጥሮ መዓድን ክረኽቦ ዝግባእ ሕጋዊ ረብሓ ኣይረክብን ዘሎ። እቲ ዝወፅእ ዘሎ ወርቂ ድማ ናበይ ከምዝኸይድ ከይተፈለጠ ብፀሊም ዕዳጋ ይሽየጥ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ምብርካት ገበናት

ጀነራል ታደሰ ኣብ መደረኦም ወሲኾም ከምዝሓበርዎ፣ ወራር መሬት፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት፣ ክትራን፣ ፆታዊ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ገበናትን ብዝለዓለ ተበራኺቶም ኣለዉ።

“ፀጥታ ትግራይ ውሑስ ንምግባር፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝተዋፈሩ ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ስራሕቲ ሕጊ ምኽባር ክሳለጥ እዩ። እዚ ከተግብር ዝኽእል ሓይሊ ፀጥታ ድማ ኣለና” ክብሉ ኣረጋጊፆም።

እዞም ስራሕቲ ምስ ሕጊ ምኽባር ጥራሕ ዝተተሓሓዙ እምበር ምስ ካሊእ ዛዕባ ከምዘይራኸቡ ብምግላፅ፣ “ኣብ ዝኾነ ይኹን ይሃልው፣ ማንነት ብዘየገድስ ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝተሳተፈ ኩሉ ናብ ሕጊ ክቐርብ እዩ” ክብሉ ኣጠንቂቆም።

ቁጠባዊ ዕንወትን ሓደጋ ጥዕናን

ጀነራል ታደሰ ብተወሳኺ፣ ነቲ እናተጋደደ ዝመፅአ ዘሎ ቅልውላው ፀጥታ ብምብራህ፣ ዘይምርግጋፅ ልዕልነት ሕጊ ከም ቀንዲ ዕንቅፋት ጠቂሶም። እዚ ድማ ስርዓት ንግዲ ብምፍራስን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ብምብራኽን ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝስፋሕፍሕሉ ባይታ ፈጢሩ ኣሎ።

ብዛዕባ ዕዳጋ ዘሎ ዘሰክፍ ኩነታት እውን ገሊፆም፤

  • ህዝባዊ ጥዕና፦ መዐወንቲ ዕፃትን መዓልቶም ዝሓለፎም ኣፋውስን ኣብ ዕዳጋ ብጋህዲ እናተሸጡ ህዝቢ ይሃስዩ ኣለዉ።
  • ኮንትሮባንድ፦ ብኣንፃሩ ድማ ከም ስሚንቶን ነዳድን ዝበሉ መሰረታዊ ነገራት ኣብ ትግራይ ከቢድ ሕፅረት እናሃለወ፣ ብኮንትሮባንድ ንደገ ክወፁን ክሽየጡን ይግበር ኣሎ።

ብማሽን ዝተደገፈ ዘረፋን ከበድቲ ገበናትን

ጀነራል ታደሰ ወሲኾም ከምዝገለፅዎ፣ ዘይሕጋዊ ዕደና መዓድን ብማሽናትን ኤክስካቫተራትን ብዝተደገፈ መልክዕ ብሰፊሑ ይካየድ ከምዘሎን፣ ኣብዚ ተግባር ድማ ዜጋታት ወፃኢ ይሳተፉ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ ወራር መሬትን ስርቂ ሓፂነ-መፂንን ከም ዘየቋረፀ ፀገም ጠቂሶም። ብፍላይ ድማ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንኽትዛረቦ ዝኸብድ ቅትለትን ፆታዊ ዓመፅን ይፍፀም ከምዘሎ ብምግላፅ፣ ከበድቲ ገበናት ይውስኹ ምህላዎም ኣመልኪቶም።

ፃውዒት ንስጉምቲ

ኣብ መወዳእታ፣ ጀነራል ታደሰ ነዞም ፀገማት ምሕደራ ንምፍታሕ፣ ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅን ርኡይ ስጉምቲ ምውሳድን ቀዳማይ ተግባር ክኸውን ከምዝግባእ ገሊፆም። ብዓብይኡ ድማ፣ እቲ ዘሎ ናይ ትግራይ ፖለቲካዊ ፀገም ክፍታሕ ከምዘለዎ ኣስሚሮምሉ።

ስዓቡና

ዩቱብ

ፌስቡክ

ቲክቶክ

ኢንስታግራም


ካብ ኩሉ ሚድያ ተወሳኺ ይርከቡ

ሓደስቲ ሓበሬታ ብኢሜይል ንምርካብ ተመዝገቡ።

ካብ ኩሉ ሚድያ ተወሳኺ ይርከቡ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

ምንባብ ቀፅል