Connect with us

ትግርኛ

ፕ/ ጌታቸው ረዳ ኣብ ተምቤን ካብ ዘልዕልዎም ነጥብታት

Kulu Media

Published

on

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ነበርቲ ከተማ ዓብዩ ዓዲ ይዝትዩ ኣለዉ።
ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብቲ መድረኽ ካብ መንጎ ዘለዓልዎም ነጥብታት:-

  • ሐዚ ኣብ ትግራይ ካብ ግዳማዊ ፀገማት ንላዕሊ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሕመቕ እዩ ዋና ፀገምና
  • እቲ ስምምዕ ሰላም መስዋእቲ ዝተኸፈሎ እዩ።
  • ናይ መጀመርታ ዕላማና ብሰንኪ ኲናት ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መርበቱ ዝምለሰሉን ብሰንኪ ኲናት ዝተኣጓጎለን ዝዓነወን ስራሕትና ዳግም ንምህናፅን ንምጥንኻርን እዩ
  • ሕዚ እውን ኣብ ደቡብ :ፀለምትን ምዕራብ ትግራይን ከበድቲ ፈተናታት ይገጥሙና ኣለው።
  • ሰራዊትና ኣብ ዓውደ ኲናት ዘመዝገቦ ዓወት ኣብ ልሞዓት እውን ክደግሞ ብዕሊ ክስራሕ እዩ።
  • ሐዚ እውን ዘይተወደአ መኸተ ኣለና።
  • ብሃበ ተረኸበ ናብ ኲናት ነምርሐሉ ምኽንያት ክህሉ የብሉን።
  • ፖሊቲካ ትግራይ ክዝምን ኣለዎ:ህዝቢ ሙሉእ ተሳትፎ ክህልዎ ክንገብር ኣለና።
  • ግዝያዊ ምምሕዳር ነዚ ሱር ዝሰደደ ፀገም ኣብ ሓደ ለይቲ ክፈትሖም ኣይኽእልን።
  • ፖሊስ ይኹን ፀጥታ ናይ ሓደ ውድብ ኮይኖም ዝቕፅልሉ ዕድል ክህሊ የብሉን: ህዝቢ ማእኸል ክገብሩ ኣለዎም።
  • ህወሓት ተጠናኺሩ ክቅፅል ኣለዎ ማለት ብሕታዊን ዓብላላይን ይኹን ማለት ኣይኮነን።
  • ኣብ ተሳትፎ ህዝብን ዘሎ ፀገም ፀጥታን ዘይተፈትሑ ጉድለታት ኣለው: ተሎ ክንእርሞም ኣለና።
  • ህልውናና መሊኡ ክሳብ ዝረጋገፅ ክህልወና ዝግባእ ሓይሊ ፀጥታ ሒዝና ዘለውና ፀገም ፀጥታ ክንፈትሕ ኢና።
  • ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ኣኼባ ዘባኸንናዮ ግዜ ሐዚ ህዝብና ብስራሕ ንኽሕሰሉ እዩ።
  • ምስ ህዝብና ኮይንና ዘይንፈትሖ ፀገም የለን።ዝብሉን ካልኦትን ሓሳባት ኣልዒሎም ይዝትዩ ኣለው።


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading