News

ምቁርራፅ ኢንተርኔት ኣብ ኢትዮጵያ

Published

on

ፀገም ምቁርራፅን ምድኻምን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ንምፍታሕ ይሰርሕ ኣለኹ ክብል ኢትዮቴሌኮም ገሊፁ

ምቁርራፅ ኢንተርኔት ኣብ ኢትዮጵያ

ኢትዮቴሌኮም ፀገም ምዝሕሓል ፍጥነትን ምቁርራፅን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ንምፍታሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ሐዚ ኣማሽዩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ብሰንኪ ምቁራጽ ናይቲ ብቐይሕ ባሕሪ ዝሓልፍ ልዑል መጠን ዘለዎ ተሸካሚ ኢንተርኔት ብሰንኪ ዘጋጠሞ ምቁርራፅ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብኣማራጺ መስመራት ጥራይ ይህብ ምህላው ገሊጹ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ኣገልግሎት ኢንተርነት ምዝሕሓልን ምቁራጽን ከጋጥሞ ከምዝጸንሐ ኣመልኪቱ።

እቲ መግለፂ ወሲኩ እቲ ግልጋሎት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ ንቡር ንምምላስ ምስ ወሃብቲ ኣገልግሎት ፅዑቅ ልዝብ ይግበር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኢትዮቴሌኮም ብዘጋጠመ ምዝባዕ ኣገልግሎት ንዓማዊሉ ይቕሬታ ብምሕታት፣ ትዕግስቲ ክገብሩ ተላብዩ።

Trending

Exit mobile version