News

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ንኢምባሲታት ዝሃብዎ መብርሂ

Published

on

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ብዛዕባ ህልው ኩነታት ክልል ትግራይ መብርሂ ሂቦም።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ኣባላት ዲፕሎማስያዊ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ክልል ትግራይ መብርሂ ሂቦም ኣለው።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጊዴዎን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፁ ዲፕሎማሰኛታት ተረኺቦም ኣለው።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ እዋን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝተመስረተ ንጹር ሓላፍነትን ሕጋዊ ተቐባልነትን ዘለዎ ምምሕዳር ምዃኑ ገሊፆም።

ይኹን እምበር ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝሰኣነ ጉጅለ ህወሓት ምስ ዝተወሰኑ ዕጡቓት መራሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ስልጣን ብሓይሊ ንምሓዝ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይን ግዝያዊ ምምሕዳርን ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብግቡእ ተግባራዊ ክኸውን ከምዝደሊ እኳ እንተገለፁ፣ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ግን ንግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ንምውዳቕ ፀገም ብምፍጣር ስምምዕ ፕሪቶርያ ብግልፂ ከምዝጠሓሰ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ድማ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስን ዕጡቓት ንምጥያሽን ምሕዋይን ዝተጀመረ ጻዕርታት በዚ ጉጅለ ከምዝተበታተነ ገሊጾም።

ስለዚ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ብምውዳቕ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ንኸይትግበር ዝኽልክሉ ዘለዉ ውሑዳት መራሕቲ ህወሓትን ዕጡቓትን ምዃኖም ማሕበረሰብ ዓለም ብንጹር ክፈልጥ ይግባእ ኢሎም።

ብተወሳኺ ሃገራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ ብደገፍ መንግስቲ ፌደራልን ማሕበረሰብ ዓለምን 10 ሽሕ ተጋደልቲ ነበር ንምሕዋይ ጻዕሪ ጀሚሩ ከምዝነበረ፡ እቲ ጉጅለ ግን ደው ከምዘበሎ ኣብሪሆም ኣለው።

ስለዝኾነ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ንክልል ትግራይ ኣብ ህውከትን ዕግርግርን ዘእተዉ ሓይልታት ደው ንምባል ዘድሊ ፀቕጢ ክገብር ፀዊዖም።

Trending

Exit mobile version