News
ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ተፀጊዑ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምንቅስቃስ ከምዝጀመረ ተገሊፁ።
እቲ ሰራዊት ነቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ፖለቲካዊ ምግምማዕን ገለ ፀገም ፀጥታን ስዒቡ እዩ ዝበዝሕ ሰራዊት ናብ ትግራይ ገፅ ከኽትቶ ተራእዩ ዘሎ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ትማሊ 2 መጋቢት 2017 ዓ.ም ምሸት ጀሚሩ ብኣንፈት ቆቦን ዋጃን ብበዝሒ ይፅጋዕ ኸምዘሎን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከብ ብደመቀ ዘውዱ ዝምራሕ ሓይሊ ኣብ ተጠንቀቅ ክፀንሕ ከምዝተነገሮን ኩሉ ዜና ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ተዛማዲ ዛዕባ፡ መንግስቲ ፌዴራል ሓገዝ ክገብር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓቲቱ።
ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኢዱ ክሓውስ ምሕታቱ ዝዝከር ኮይኑ እንተኾነ ግና እዚ ሓዱሽ ምንቅስቃስን ምኽታትን ሰራዊት ኢትዮጵያ ቅድሚ እቲ ሓገዝ ምሕታቱ ከምዝጀመረ እዮም ፍልፍላት ዘረድኡ ።
ዝርዝር ሓበሬታ ምንቅስቃስ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዘለው ሓደሽቲ ምዕባለታት ትግራይን ኩሉ ዜና እናተኸታተለ ናብ ሰዓብቱ ከምዘብል ቃል ይኣቱ።