News

መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ደው ክብል ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሓቲቱ።

Published

on

እቲ ክካየድ ዝተሓሰበ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ደው ክብል ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣብይ ኣህመድ ሓቲቱ።

ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣብይ ኣህመድን ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ንደብረጽዮን ገ/ሚካኤልን መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ዝምልከት ብስልኪ ተዘራሪቦም።

እቲ ሎሚ 7 ነሓሰ 2016ዓ/ም ከባቢ ስዓት 3፡00 ኣብ መንጎ ክልተኦም መራሕቲ ዝተገበረ ናይ ስልኪ ዝርርብ ፡ውሳነ ቦረድ መረጻ ኢ/ያ ክኽበር ከምዘለዎን እቲ ክካየድ ዝተሓሰበ ጉባኤ ንህዝቢ ክብሃል ንክቋረጽን ዝሓትት እዩ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ ዶ/ር ንደብረጽዮን ገ/ሚካኤልን ንኣባላቱ ኣኼባ ከምዝጸወዐን ድሕሪ ኣኼባ ብዝግበር ውሳነ ነቲ ናብ መቐለ ዝመጸ ጉባኤተኛ ከምዝብትኖ ንምፍላጥ ተኻኢሉ እዩ። ክብል ካብ ጋዜጠኛ ደስዬ ኣሸናፊ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።

Trending

Exit mobile version