News

ጀነራል ታደሰ ወረደ ስልጣኑ እንትርከብ ዝፈረሞ ሰነድ ተልእኾ

Published

on

ጀነራል ታደሰ ወረደ ፕረዚደንትነት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክርከብ ከሎ ዝተፈረመ “ሰነድ ተልእኾ መሰጋገሪ ምምሕዳር ክልል ትግራይ” እንታይ ይብል?

  1. ኣቀዲሙ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ምምላስ ተመዛበልቲ ዜጋታት ናብ መነባብሮኦም ተዛዚሙ ኣብ ዝተረፉ ከባቢታት #ብቅልጡፍ ተግባራዊ ክኸውን ምግባር፤
  2. ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ምፍታሕ ኣጽዋርን ዳግመ ውህደትን ተጋደልቲ ነበር ብቕልጡፍ ከምዝዛዘም ምርግጋጽ፤
  3. ኣብ ክልልና ልዕልነት ሕጊ ክሰፍን ምግባር፤ ንድሕነት ህዝቢ፣ ንሰላምን ድሕንነትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ርኡይ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ደው ንምባል፤ ነዚ ንምትግባር ድማ ግቡእ ናይ ምቁፅፃርን ሕጊ ምኽባርን ስራሕቲ ክስራሕ ኣለዎ፤
ርኽክብ ፕረዚዳንትነት ሎሚ ንጉሆ ኣብ ኣዲስ_ኣበባ ቢሮ ቀዳማይ ሚኒስትር ተሳሊጡ
  1. ስሩዕ ልምዓታዊ ስራሕቲ፣ መንግስትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን፣ ከምኡ እውን ዳግመ ህንፀት ስራሕቲ ከምዝፍፀሙ ምርግጋፅ፣
  2. ካብ ቅዋማውን ሕጋውን ስርዓት፡ ሃገራዊ ልኡላውነትን ስምምዕ ፕሪቶርያን ዝወጽእ ዝምድናታትን ንጥፈታትን ደው ከብል፤
  3. ክልልና ንዲሞክራስያዊ መረፃ ምድላው፤ ኣብቲ ክልል ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት ዝትግበሩሉን ፖለቲካዊ ብዙሕነት ዝተኣናገደሉን ዲሞክራስያዊ ሃዋህው ንምፍጣር ምስራሕ፤
  4. ህዝቢ ክልልና፣ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ኣብ #ብሄራዊመስርሕምምኽኻር ክሳተፉ ምምችቻው፤
  5. ክልላዊ መንግስቲ ዝገብሮ ስራሕቲ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ኣብ መንጎ ህዝቢ ሃገር ዘሎ ሓድነትን ሰናይ ርክብን ዘጠናኽር፣ ሕግን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ዘኽብር፤

ጀነራል ታደሰ ወረደ ከም ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ስርሑ ምስ ሓዘ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሓላፍነታት ብትግሃትን ብተኣማንነትን ክፍጽም ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ስዓቡና

YouTube

Facebook

TikTok

Instagram

Trending

Exit mobile version