News
ውዕሎ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሑመራ
ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ነበርቲ ወልቃይት ፀገዴን ሰብ ስልጣን ክልል ኣምሓራ ዘትዮም።
ሎማ ዕለት 16 ሰነ 2017 ኣ/ግ ፍሉይ ኣማካሪ ጠቅላይ ሚኒስትር ዝኮኑ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣቶ አረጋ ከበደ፣ሓላፊ ብልፅግና እቲ ክልል ኣቶ ይርጋ ሲሳይ፣ኣመሓደርቲ ወልቃይት ፀገዴን ኮይኖም ብክልል ኣምሓራ ዝተሾሙ ኣቶ አሸተ ደምለውን ደመቀ ዘውዱን ዓበይቲ ዓዲ እቲ ከባቢን ኣብ ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልቲን ካልኦት ዛዕባታትን ኣመልኪቶም ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ምይይጥ ኣካይዶም።
ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ነበርቲ ወልቃይት ኣብ ዝነበሮ ዘተ ህዝቢ ትግራይ መሪሕነት ህወሓት ከም ሓደ ምርኣይ ፍፁም ጌጋ እዩ ኡሎም።
“ህዝቢ ትግራይ ደላይ ሰላም እዩ። ህወሓትን ህዝቢ ትግራይ ኣጃምልካ ምርኣይ ፍፁም ጌጋ እዩ” ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሰላም ንምፍጣር ክልተኦም ኣካላት ሓደ ከም ዘይኮኑ ክፍለጥ ኣለዎ ድማ ኢሎም።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሕቶ ህዝቢ ወልቃይት ግቡእ እዩ ዝበሉ ኮይኖም ብሕጋዊ መንገዲ ክርአይ ከም ዘለዎ ድማ ኣገንዝቦም። ናይ ማንነት ሕቶ ናይ ህዝቢ ምበር ናይ ውልቀሰብ ሕቶ ኣይኾነን ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ናይ ህዝቢ ሕቶ ስለዚኾነ ድማ ግድን ክስማዕ ኣለዎ ኢሎም።
እቶም ኣማካሪ ኣብ ሓሳቦም ሕቶ ህዝቢ ወልቃይት ፀገዴ ቅቡል ምኳኑ ብምግንዛብ ክፍትሑ ዝግበኦም ሕቶታት ብምርድዳእን ሰለማዊ ብዝኮነ መንገዲ ስርዓቱ ሓልዩ ንክፍታሕ ፌደራል መንግስቲ ሓላፍነት ከምዝወስድን ሕቶ ህዝቢ ሕጊ ተከቲሉ ክፍታሕ ከምዘለዎን ተፈናቀልቲ እቲ ከባቢ ምስ ሓው ዝራከበሉ መንገዲ ከምዝዘተዩ ተፈሊጡ።
ሰነ 16/2017 ኣ/ግ
Humera Post