News
እዋናዊ መግለፂ ጀነራላት ትግራይ
ኣብዙይ ከምዙይ ዓይነት ታሪኻዊ ስሕተት ዝሓዘ ውሳነ ስራዊት ትግራይ ኣይንሳተፍን ኢሎም ኣኼባ ኣይንሳተፍን ዝበሉን ዝተፈለየ_ቅዋም ዝሓዙ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለጺ!
“ህዝበይን ሰራዊተይን ዝበልካ ቅኑዕ ትግራዋይ ክትዓስለሉ ዝግባእ ብሄራዊ ዛዕባ!”

👉 ንሕና ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ላዕለዋት መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ክንሳተፍ ዝቐነናን፥ ብምኽንያት ኣብ ልዕሊ ሰራዊትና ዘንጸላለወ ሓደገኛ ቅዋም ብጾትና፡ ተቓዉሞና ገሊጽና ቅዋምና ክንሕዝ ዝተገደድናን ተጋደልቲ፡ ምእንተ ዘዕበየናን ዘጋደለናን ህዝብናን ምእንተ ብደም ብጾትና እናተኾለዐ ዝነብር ብሄራዊ ክብርናን ክንብል ዓድና ትግራይ ብዕስለ ጸላእቲ እንትትውረር ከካብ ዝነበርናሉ ምድብ ስራሕን ውልቃዊ ህይወትን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ተላዒልና ናብ መሬት ዓድና ብምእታውን ኣብ ማእኸል ለባም ህዝብና ኮይንና ብምግዳልን፡ ሳላ ንመሰሉን ክብሩን ንጻት እውን ዘይደራደር ህዝብና መስዋእቲ እናኸፈልናን ዓወት እናተጎናጸፍናን፥ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ዝተጋድልናን ዘጋደልናን ደቂ ህዝቢ ኢና። ተጋድሎና ዋላ እኳ ብፍጹም ዓወት ዘይተዛዘመን ሕዚ እውን ኣብ መኸተ ዘሎን እንተኾነ፥ እዚ ዝብሃል ናይ መኸተ ሓይሊ ካብ ዘይነበራ ትግራይ ተበጊስና ምስ ዓበይቲ ሓይልታት ገጢምና ከም ህዝቢ መኪትና ንዓለም ዘስደመመ መኸተ ኣካይድናን ነካይድ ኣለናን። ኣብዚ መሪር እዋን እዚ፡ ህዝብና መስርዕና ከይዛሪ ደቁ፣ ከብድና ከይጠሚ ስንቁ፣ መኸተና ከይጎትም ድማ ዕጥቁ ሂቡ ኣጋዲሉና። ተጋዲሉን ኣጋዲሉን፥ ቀደሙ እውን ባህጊ ህዝቢ ኣብ ዝኾነት ናይ ሰላም ጽላል ክንዓስል እናመረረና እውን እንተኾነ ምእንተ ረብሓ ህዝቢ ኣብ ዝተቐበልናዮ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ በጺሕና።
👉 መላእ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ትግራይን ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለ እንመርሖ ጅግና ሰራዊትናን ድሕሪ ፕሪቶርያ ኣይጠዓሞን። ቀንዲን ብሕታውን ምኽንያት ናይዚ፥ እቲ ዝተጋደለሉ ህዝቢ ስለዘይጠዓሞ እዩ። ስለዘይጠዓሞ ጥራይ ዘይኮነ በብዕለቱ ናብ ዝኸፍአ ርእሲ ምድናንን ብሄራዊ ጸገምን እንትኣቱ ስለዝርኢ ዘሎ እዩ። ናይዚ ምኽንያት ከዓ ዋላ እኳ ደጋዊ ተጻብኦ እውን እንተሃለወ እቲ ኣብ ውሽጢ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ዕንክሊልን ዕግርግርን ምዃኑ እንትርዳእ ገድሉ ከምዝባኸነ ይስምዖ። ደም ብጾቱ ከንቱ ከምዝፈሰሰ ይሓስብ። ህዝቢ ሓደራ ኢሉ ዝሃቦ ብሄራዊ ሓላፍነት ከምዝተሓንሸሸ ኮይኑ ይስምዖ። በዚን ወዲ እዙይን ሰራዊት ድሕሪ ፕሪቶርያ ኣይጠዓሞን።
👉 ኣብዚ ቅንያት ካብ 10 ክሳብ 14 ጥሪ 2017 ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ዝተሳተፍናን ተቓዊምና ዝወጻናን እዚ ቅዋም ዕላዊ እንገብር ዘለና ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ፥ ቀንዲ ዕላማን ሸቶናን ህዝቢ ኣብ ምውሓስ ሰራዊቱን ቀጻሊ ህላዉኡን ንጹርነት ክህልዎ ንምሕጋዝ ጥራሕን ጥራሕን እዩ። በዚ መሰረት ካብ ዝተሳተፈ ጠቕላላ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ላዕለዋይ መሪሕነት ሰራዊት መራሕቲ ኣርምታት ዝሓወሰ እቲ ከባቢ 25 ኣባል ኣመራርሓ ኣብ ዝተቓዎሞ ኣጀንዳ ኣድሂብና፥ እዚ ዝስዕብ በዓል ሸውዓተ ነጥቢ መግለጺ ቅዋም ኣውጺእና ኣለና።
☑️ ልዕሊ ህዝቢ ዝኸውን ረብሓ ክህልውናን ልዕሊ ስውኣትና ዝኸውን ህላወን ክህልወና ዘይንደልን በዚ ውሳነ እዚ ክሳብ መወዳእታ እንዋደቕን ተጋደልቲ ኣብ ኢድና እልፊ ተባራዓይ ህዝባዊ ሕቶ እናሃለወ ምድሓን ሓደ ውድብን በዚይን በቱይን ዘለዉ ጉጅለታትን ከም ኣጀንዳ መዚዝካ ምይይጥ ምግባር ካብ ተልእኾን ዕላማን እቲ ሰራዊት ዝወጸን ገበንን ብምዃኑ ኣጥቢቕና ንቃወም።
☑️ ንሕና ኣባላት መሪሕነት ሰራዊት ኮነ መላእ ሰራዊትና ኣብ መንጎ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጠረ ውሽጣዊ ጎነጽ ዘይምልከተናን ናይ ፖለቲከኛታት ዋኒንን እናሃለወ፡ ኣብ ምይይጥና ዝቐረበ ነቲ ጉባኤ ኣካይደ ዝብል ሓይሊ ህወሓት ከም ሰራዊት ከም ኣካል ንቀበሎ ዝብል ብዓብላላይ ድምጺ ዝተወሰነ ውሳነ ብሕጊ፣ ብሞራል ይኹን ብቕቡልነት ዘይሰርሕ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፥ ነቲ ሰራዊት ዝብትንን ብኡ ንብኡ ድማ ተቓላዓይነት ህዝብና ዝውስኽን ሓደገኛ ቅዋም ብምዃኑ ይቕረታ ክሕተተሉን ክእረምን ንጽውዕ።
☑️ ዝበዝሕ ነባር ኣባል ሰራዊትን ላዕለዋይ መሪሕነት ሰራዊትን ቅድም ኢሉ ሰራዊት ህወሓት ዝነበረ ብምዃኑ፡ ንሕና እውን ዋጋ ከፊልና ዝተጋደልናሉ፣ ዝመስረትናዮን ዘዕበናዮን ውድብ ብምዃኑ፥ ከም ውድብ ክጠፍእን ክብተንን ዘይንደሊ እኳ እንተኾንና ክንሕግዞ እንኽእል ግን ብግልጺ ካብ ሰራዊት ወጺእና ብሲቪል ቃልሲ እምበር ብረት ሒዝካ ብዝግበር ቃልሲ ፖለቲካ ስለዘይኮነ፥ ካብ ናይ ታሪኽ ተሓታትነትን ናይ ወለዶታት ዕዳን ሓራ ክንወጽእ ኣብዚ በታናይ ጸወታ ከምዘይንሳተፍን ካልኦት ብጾትና እውን ናብ ልቦም ክምለሱን ንጽውዕ።
☑️ ተረዳዲእና፣ ተሰማሚዕናን ተኣማሚናን ዝመስረትናዮ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ትልሙን ወፍሩን ከም ሰራዊት በታ እትምልከተና ኩርናዕ ጥራይ ክንሳተፍን ክንግምግምን እንኽእል ዋላ እንተኾንና ካብ ተልእኾናን ዕማምናን ወጻኢ፥ ፕረዚደንት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምቕያር “ጸላኢ እዩ” ካብ ዝብል ፍረጃ ጀሚሩ ሰራዊት ኮይንካ ዝግበር ናይ ፖለቲካ ምንቅስቓስ ትካላውነት ዝሰሓተ ብምዃኑ ኣትሪርና ንቃወም።
☑️ መኸትኡ ኣብ ዘይተዛዘመ ህዝብን ዕማሙ ኣብ ዘይወገነ ሰራዊትን ኮይንካ ፓርቲ ዝመስል ሰራዊት ንምህናጽ ዝግበር ምንቅስቓስ ከይዱ ከይዱ ህዝብን ዓድን ዘጥፍእ ኣካይዳ ብምዃኑ ደው ክብል ንጽውዕ።
☑️ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ “ይኣክል” ብዝብሃል ሰለማዊ ሰልፊ፣ ብቐጸልቲ ወፍርታት ሲቪልን ሲቪክን ማሕበራት ከምኡ እውን ብተከታተልቲ መድረኻት ኣረብሪብካ ስልጣኑ ከረክብ ምግባር ዝብል ኣብ ምይይጥና ዝተልዓለ ዛዕባ፥ ኣንጻር መምርሒ ሰራዊትናን ሰራዊት ኣቐዲሙ ዝሓዞ ቅዋምን ብምዃኑ ብዘይ ዝኮነ ቅድመ ኩነት ጠጠው ክብልን ሓላፍነት ክውሰደሉን ንጽውዕ።
☑️ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝብና፣ ኣባል ውድብ ህወሓት፣ ነባር ዓቕሚ፣ ዝተደናገረ መንእሰይ፣ ኣባላት ዲያስፖራ፣ ትካላት ሃይማኖት፣ ሲቪልን ሲቪክን ማሕበራት፣ ኣካዳምያዊ ትካላት፣ ስሩዕን ዘይስሩዕን ትካላት ሚድያ፣ ብለዋህነት ዝግበሩ ናይ ይኣክልን እምብታን ምንቅስቓሳት ወዘተ ነዚ ኣብ ትግራይ መንግስትነት ከይህልዉን ሰራዊት ድማ መሳርሒ ፖለቲካዊ ድልየታትን ክኸውንን ዝደፍእ ንሕና ዝተሳተፍናሉ ኣኼባ ክነጽጎን ንህልውንኡ ዝጠቅም ቅዋም ክሕዝን ንጽውዕ።
ዝኸብርካ ህዝቢ ትግራይ
ዝኸበርካ ጅግና ተጋደላይ
ዝኸበርካ ፈታዊ ገድሊ ህዝቢ ትግራይ
ክቡራትን ክቡራንን!
👉 መሰረታዊ ሕቶታታ ዝመለሰት፣ ናብ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ዘቕነዐት፣ ሕውየታን ዳግማይ ህንጸታን ዝጀመረት፣ ብመረጻን ሲቪል ፖለቲካዊ ሓይልን ዝተመርሐት፣ ኣብ ጎደና ዘላቒ ሰላም፣ ፍትሕን ዲሞክራስን እትስጉም ትግራይ ንምርኣይ ዛጊድ ዝኸፈልክምዎ ክባር ዋጋ ግቡእ ቦትኡ ክንህብ፡ ካብ ዘላቒ ጥፍኣትን መዓትን ድማ ክንወጽእ ብዝሓደረና ባህግን ድልየትን እዚ ቅዋም እዚ ንንጹህ ሕልናናን ንናይ ታሪኽ ተሓታትነትናን ክንብል ኣውጺእናዮ ኣለና። በዚ መሰረት ህዝበይን ሰራዊተይን ዝበልካ ቅኑዕ ትግራዋይ ክትዓስለሉ ዝግባእ ብሄራዊ ዛዕባ ብምዃኑ ኣብ ጎንና ክትከውን ንጽውዕ።
ዝተፈለየቅዋምዝሓዝና ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ!!
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና!! 15 ጥሪ 2017 ዓ/ም መቐለ