News
“ንሓዱሽ ገብረስላሴ ዝኣስረሉ እኹል ምኽንያት የብለይን“ – ፖሊስ ፌደራል
ፌዴራል ፖሊስ፡ ብጾታዊ ምትንኻፍ ተፈሪድዎ ካብ ብሪጣንያ ናብ ኢትዮጵያ ንዝተሰጎገ ውልቀሰብ ከምዝፈትሖ ኣፍሊጡ
ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ብዝፈጸሞ ጾታዊ ምትንኻፍ ተፈሪድዎ ናብ ኢትዮጵያ ዝተሰጎገ ሃዱሽ ገብረስላሴ፡ ትማሊ ጥቅምቲ 19, 2018 ዓ.ም ንጉሆ ኢትዮጵያ ምስኣተወ ከምዝተፈትሐ ፌዴራል ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ህዝባዊ ዝምድናታት ፌዴራል ፖሊስ ኣቶ ጀይላን ዓብዲ፡ እቲ ውልቀሰብ ካብ ዩናይትድ ኪንግደም (ዩኬ) ተሰጕጉ ናብ ኢትዮጵያ ክለኣኽ እንከሎ፡ ምስኡ ዝመጸ ዝኾነ ዓይነት ገበናዊ ክሲ ከምዘይነበረ ንቢቢሲ ገሊጾም።
በዚ ምኽንያት እቲ ውልቀሰብ ካብ ኣህጉራዊ መዕረፊ ነፈርቲ ቦሌ ናብ ቤት ጽሕፈት ፌዴራል ፖሊስ ድሕሪ ምውሳዱ፡ ከምዝተፈትሐ ነቲ መደበር ሬድዮ ኣረጋጊጾም።
“ንዓና፡ ምስቲ ውልቀሰብ ተታሒዙ ዝመጸ ክሲ ስለዘየለ ፈቲሕናዮ ኢና፤ ዝኾነ ምስኡ ዝመጸ ገበናዊ ክሲ የለን… ናባና መጺኡ ኣጻሪና፡ ዝኾነ ምስኡ ዝመጸ ክሲ እንተዘይሃልዩ ፖሊስ ይፈትሕ እዩ፤ ፈቲሕናዮ ኢና” ኢሎም።
እቲ ሓላፊ ህዝባዊ ዝምድናታት፡ ኣብ ዩኬ ብርቱዕ ውዝግብ ኣልዒሉ ዝነበረ ሃዱሽ፡ ኢትዮጵያ ምስኣተወ ምፍታሑ ብዝምልከት፡ “ኣብዚ ሰዓት እዚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርና የለን፡ ፈቲሕናዮ ኢና” ክብሉ ኣመልኪቶም።
ሃዱሽ ገብረስላሴ ቅባቱ፡ ብጃልባ ካብ ፈረንሳ ናብ ዩናይትድ ኪንግደም ድሕሪ ምእታዉ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ንእሽቶ ጓልን (ጎርዞ) ሓንቲ ዓባይ ሰበይትን ጾታዊ ምትንኻፍ ብምፍጻሙ፡ ናይ 12 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ ምንባሩ ይዝከር።
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.
