News

ሕፅረት ዝናብ ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን

Published

on

ብሰንኪ ብሕፅረት ዝናብ ኣብ ልዕሊ 650 ሄክታር መሬት ዝነበረ ዝራእቲ ሰለስተ ግዜ ተገልቢጡ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ቆላ ተምቤን።

ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን እኹል ዝናብ ብዘይምዝናቡ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ 650 ሄክታር መሬት ዝተዘርአ ዝራእቲ ፣ ሰለስተ ግዜ ከም ዝተገልበጠ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ እታ ወረዳ ገሊፁ ።

ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ጣብያ ያቄር ክሳብ ሐዚ እኹል ዝናብ ብዘይምዝናቡ ኣብ ልዕሊ 650 ሄክታር መሬት ዝተዘርአ ዝራእቲ ፣ ሰለስተ ግዜ ከም ዝተገለበጠ ሓላፊ ዘፈር ቁጠባ ገጠር ልምዓት ወረዳ ቆላ ተምቤን ኣይተ ጎይትኦም ገ/ሃወርያ ገሊፆም ።

ኣብታ ጣብያ ካብ ሰነ 7/2017 ዓ.ም. ጀሚሩ ዝናብ ብዘይ ምዝናቡ ኣብ 100 ሄክታር ዝተዘርአ ዕፉን ፣ ኣብ 400 ሄክታር ዝተዘርአ ምሸላን ኣብ 150 ሄክታር ዝተዘርአ ኣዳጉራን ሰለስተ ግዜ ከም ዝተገልበጠ ኣይተ ጎይተኦም ኣረዲኦም።

ክሳብ ሐዚ እዚ ዝብሃል ዝራእቲ ዘይረኣየሉ ጣብያ ሙኻኑ ዘገንዘቡ እቶሞ ሓላፊ ፣ በዚ ድማ ኣብታ ጣብያ ናይ ዝርከቡ ልዕሊ 900 መራሕቲ ስድራ ህይወት ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ኣገንዚቦም ።

ካብ ዝራእቲ ሓሊፉ ኣብታ ጣብያ እኹል ዝናብ ብዘይምዝናቡን ዝነበረ ናይ ሓጋይ ቀለብ እንስሳት ብምውድኡን እንስሳት ይሞታ ከምዘለዋ ኣይተ ጎይትኦሞ ሓቢሮም።

እተን ዝተረፋ እንስሳት እውን ካብቲ ሓደጋ ንምንጋፍ ናብ ጎሬቤት ጣብያታት ይሰጋገራ ከም ዘለዋ እቶም ሓላፊ ኣመላኺቶም ።

ሓረስቶት ጣብያ ያቄር ኣብ ኢዶም ዝነበረ ዝራእቲ ብተደጋጋሚ ብምዝርኦም ስዒቡ ዝነበሮም ዝራእቲ ስለዝተወድአ ፣ ምስ ቢሮ ሕርሻን ካልኦት ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ብሙዃን ፣ ቀልጢፎም ክባፅሑ ዝኽእሉ ዝራእቲ ናብቶም ሓረስቶት ንምብፃሕ ፃዕርታት ይግበሩ ከም ዘለው እውን ኣረዲኦሞ።

ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ልዕሊ 16 ሽሕ ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ንምሽፋን ተተሊሙ ዛጊድ ልዕሊ 14 ሽሕ ሄክታር ብዝራእቲ ከም ዝተሸፈነ እውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ እዩ ።

Trending

Exit mobile version