Connect with us

News

ሓዱሽ ሓበሬታ ምዕራብ ትግራይ

Kulu Media

Published

on

ምምላስ ተመዛበልቲ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ቀፂሉ


ብኻሊእ ወገን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ወረርቲ ሓይሊታት ፀሓዮም እናዓረበት ከምዝኾነት ዘመላኽቱ ሓበሬታታት ምውፃእ ቀፂሎም ኣለው ።

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ተመዛቢሎም ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ከተማ ዓዲግራት ተዓቂቦም ዝነበሩ ወገናት ናብ መረበቶም ምምላስ ጀሚሮም ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ተጠቃምነትን ተሳትፎን ሕብረተሰብ ከተማ ዓዲግራት ቀሺ በሪሁ ሓዱሽ ከም ዝበልዎ ካብ ወረዳታት ፀለምቲ፣ላዕላይ ፀለምትን ከተማ ማይ ፀብርን ተመዛቢሎም ዝፀንሑ ልዕሊ 1200 ወገናት በዚ ዕለት ናብ መረበቶም ምምላስ ተጀሚሩ ኣሎ።

ህዝቢን ምምሕዳርን ከተማ ዓዲግራትን ከባቢኡን ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዘድሊ ደገፍ እናገበረሎም ከም ዝፀንሐ ዝሓበሩ ቀሺ በሪሁ ሓዱሽ ፤ኣብታ ከተማ ካብ ዞባ ምዕራብን ካልኦት ከባቢታትን ልዕሊ ስሳ ሽሕ ዝተመዛበሉን ገና ናብ መረበቶም ዘይተመለሱን ወገናት ስለ ዘለው መሪሕነት ትግራይ ኣፈላላያቱ ብዘተን ምርድዳእን እናፈትሐ ብህፁፅ ክምልሶም ኢና ንፅውዕ ኢሎም።


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading