Connect with us

News

ሓዱሽ ስጉምቲ ምዕራብ ትግራይ

Kulu Media

Published

on

ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ተስፋ ኣብ ዝቆረፀሉ እዋን ናይ ባዕሉ ዝብሎ በይናዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ኸምዝግደድ አእንፊቱ።
ፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ ሰሙናዊ መግለፂ

“መወዳእታ ዘለዎ ዘይመስል ስቓይ ተመዛባላይ ህዝብና ፀገማቱ ብመጠንን ዓይነትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየን ሓደ ፀገም ካሊእ እናወለደን ራብዓይ ክረምቲ ክደፍን ብኣፃብዕቲ ዝቑፀራ መዓልታት ተሪፈን ኣለዋ ዝበለ ኾይኑ ሰነ 30 ናብ መረበቱ ከምዝምለስ ዝተነገሮ ህዝብና ብተስፋ እናተፀበየ እኳ ተሃለወ፤ ክሳብ ሕዚ ብዝረአዩ ዘለው ተስፋ ዘይብሎም ምንቅስቃሳት ግን ፍፁም ዕጉብ ኣይኮነን ኽብል ነቲ ድኹም ብዝብል ዝንቀፍ ዘሎ ከይዲ ምድላው ምምላስ ተመዛበልቲ ገሊፅዎ።

ኣስዒቡ ድማ ” ብፍላይ ቅድሚ ጉንቦት 30 ክኣትው ቃል ተኣትይሎም ዝነበረ ግን ድማ ዘይተሳኸዐ ምምላስ ተመዛበልቲ ራያን ፀለምትን ስዒቡ ተወዓዊዑ ዝነበረ መንፈስ ህዝብና ዝሑል ማይ ፈሲስዎ ተስፍኡ ውን ቅሂሙ ኣብ ፍፁም ፀልማት ሂወት ጥሒሉ ይርከብ ይርከብ ዝበለ እቲ ሰሙናዊ መግለፂ ብምዃኑ ካብ ዝበልካዮ ዝጠፍእ ዝወለድካዮ ይጥፋእ ከም ዝበሃል ህዝብና ብዝተኣተወሉ ቃል መሰረት ብዘይ ምንም ዓንቀፍቀፍ ናብ መረበቱ ክምለስ፤ እንተዘይኮይኑ ግን ህዝብና ሓላፍነት ዘይስመዖን ሓላፍነት ዘይወስድን መሪሕነት ምእማን ደው ኣቢሉ ዘለው ኣማራፂታት ብምፅናዕ ናይ ባዕሉ ዝኾነ መፍትሒ ክወስድ ክግደድ ምዃኑ ኩሉ ክፈልጦ ይግባእ ኢሉ ።

google-site-verification: google8ac27fb5762f8718.html

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading