News
ዘሕጉስን ተስፋ ምዕራብ ትግራይ ዝሓዘለን ወሳኒ መድረኽ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ምዕራብ ትግራይ ንምእታው ዘኽእል ምድላዋት ይውግን ኣሎ ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንምውሓስ ዝጀመሮ ተልእኾ ደው ከምዘየብሎ ተገሊፁ ።
እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሎሚ 28 ሓምለ 2016 ምስ ተመዛበልቲ ተወለድቲ ወልቃይት ኣብ ከተማ መቐለ ዘተ የሳልጥ ኣሎ።
ብፕረዝዳንት ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስጉምቲ ኸምዝቅፅል ብ 19 ሓምለ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ መግለፂ ናብ ምዕራብ ትግራይ ዝግበር ምንቅስቃስ አሐይሉ ኸምዝቅፅለሉ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር ።
እቲ ብፕረዝዳንት ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብቲ እዋን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ እቲ ኣብ ፀለምትን ደቡብን ትግራይ ኣብ ልዕሊ ወረርቲ ሓይሊታት ዝተጀመረ ስጉምቲ ናብ ምዕራብ ትግራይ ገፁ ኸምዝቅፅል እውን እዩ ኣበሲሩ ነይሩ ።
ወሲኹ ድማ “ቀንዲ ውራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተጀመረ ሰላም ብምጥንኻር ድሕንነት ህዝብና ምሕላው እንትኾን ክሳዕ ሐዚ ብዝተገብረ ምርድዳእ እውን ካብ ራያን ፀለምትን ዝተመዛበሉ ወገናትና ናብ መረቤቶም ናይ ምምላስ ዕማማት ብዝሓሸ መንገዲ እናተፈፀሙ እዮም። ኣብ ምዕራብ ትግራይ እውን ተመሳሳሊ መደባት ንምፍፃም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣድላይ ዘበለ ምንቅስቓስ እናገበረ ይርከብ ክብል ምግላፁ እውን ኣይርሳዕን ።

ሎሚ ድማ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ ምዕባለ ኣመልኪቱ ተመዛበልቲ ተወለድቲ ወልቃይት ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይዝትዩ ኣለዉ። ዕላማ እቲ ዋዕላ ትግራይ ናብ ሙሉእ ቍመናኣ ከመይ ንመልሳ? ዝብል ምኳኑ እውን ተፈሊጡ ኣሎ ።
ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ ምዕባለ ኣመልኪቱ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ
ብመሰረት እዚ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብ መረበቶም ንምምላስ ኣብዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ሓበራዊ ስራሕቲ ንምስራሕን ብመሰረት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንምርግጋፅን ዘኽእል ዘተ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ምክትል ፕሬዚደንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ሰላምን ፀጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ምክትል ፕረዚደንትን ሓላፊ ካቢኔ ሴክረታርያት ዘይምእኹል ምሕደራን ዲሞክራታይዜሽንን ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤን ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ሰራዊት ትግራይን ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይን ተረኺቦም እዮም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ድማ ድልየትን ባህግን ህዝቢ ወልቃይት ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ሰላም እዩ። ሃፍቱን ጥሪቱን በዓሉ ክውንን ይደሊ ክብሉ ገሊፆም ።
ወሲኾም ድማ ኣብ ትግራይ ሰላም ንምስፋን ይኹን ሓድነት ንምጥንኻር ሳልሳይ ወገን ኣየድልየናን ኣፈላላይና ኢሂን ምሂን ተባሃሂልና ንፍታሓዮ ኢሎም ኣለው ።
ነዚ መድረኽ ስዒቡ ጊዝያዊ ምምሕዳር (ግምት)
ልዕሊ ምምላስ ተፈናቐልቲ ዝስራዕ ኣጀንዳ ኮነ ስራሕ የብሉን :: ክህልዎ እውን ኣይግባእን:: ኩሉ ዓቅምታቱ ኣብዚ ከውዕሎ ይግባእ:: ዝብል ለበዋ ቀሪብሉ ኣሎ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ።
ስዓቡና
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.