Connect with us

News

ህዝቢ ወልቃይት ንወረርቲ ተስፋ ዘቑርፅ ታሪኽ ሰሪሑ።

Kulu Media

Published

on


እቶም ወልቀቶት ነቲ ብክልል ኣምሓራ ንዓመታት ፕሮፖጋንዳ ዝሰርሕሉ ዝነበረ ኣምሓሩ ኢኹም ዝብል ሃልካዊ ተረኽ ብምንፃግ ህዝቢ ወልቃይት ሕቶ መንነት የብለይን ዝብል ግብረ መልሲ ሂቦም ኣለው ።

ምምላስ ተመዛበልቲ ብዝኾነ ሓይሊ ደው ዘይብል ልኡኽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምኳኑ ዝገለፀ ድማ ጀኔራል ታደሰ ወረደ እዩ ።

“ምምላስ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ካብቶም ካልኦት ከባቢታት ዝተገበሩ ምምላስ ተመዛበልቲ ብዝሓሸ ኣፈፃፅማ ንምትግባር ይስራሕ ኣሎ” ክብል ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ

ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ተዓቊቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ተወለድቲ ወልቃይት ኣብ ህልው ኹነታት ኣመልኪቶም ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘትዮም።

ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ዘተ ርኢቶኦም ዝሃቡ ተወለድቲ ወልቃይት ከምዝበልዎ ሕቶ ህዝቢ ወልቃይት ሕቶ መንነት ዘይኮነስ ሕቶ ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓትን እዩ ኢሎም።

“ህዝቢ ወልቃይት ብመንነቱ ዝዋገ ህዝቢ ኣይኮነን፣ወልቀታይ ኮይኑ ትግራዋይ ተዘይኮይኑ ወልቀታይ ኣይኾነን ማለት እዩ” ክብሉ ተዛሪቦም።
ድልየትን ባህግን ህዝቢ ወልቃይት ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ሰላምን ልምዓትን እምበር ናይ መንነት ሕቶ ኣይኮነን ድማ ኢሎም።

ዝተመዛበለ ይኹን ዘይተመዛበለ ህዝቢ ወልቃይት ዘፈላሊ ጉዳይ የብልናን እዙይ ኾነ ተባሂሉ ሓድነት ህዝቢ ወልቃይተ ንምዝራግ ዝግበር ፃዕሪ እዩ ይብሉ እቶም ወሃብቲ ርኢቶ።

ኣብ YouTube ይከታተሉ

ስለዝኾነ መንነት ህዝቢ ወልቃይት ብሳልሳይ ወገን ዝውሰነሉ ኣይኾነን ወልቀታይ ትግራዋይነቱ ኣመስኺሩ ዝሓደረ ህዝቢ ስለዝኾነ እዙይ ናብ ሕቶ ዝቐርብ ጉዳይ ከምዘይኾነ ኣረጋጊፆም።

ብፖለቲካዊ ኣፈላላይ ይኹን ብስእነት ሰናይ ምምሕዳር ምኽንያት መንነት ኣይቕየርን ዝበሉ እቶም ተመዛበልቲ፤ ኣብ መንጎ ዝረኣዩ ክፍተታት ድማ ብልዝብ ዝፍተሐሉ መንገዲ ምንዳይ ከምዝግባእ ሓቲቶም።

ብጀኖሳይዳዊ ኲናት ምኽንያት ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኣብ ኬንዳን ቍርን ነሕልፎ ኣለና ዝበሉ እቶም ተመዛበልቲ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብቕልጡፍ ናብ መረበትና ክንምለስ ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲ ዞባ ደቡብ ትግራይን ፀለምትን ዝነበረ ተሞክሮ ተወሲዱ ድሕንነትና ውሕስ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ናብ መረበትና ክንምለስ ይግባእ ክብሉም ሕተኦም ኣቕሪቦም እቶም ተሳተፍቲ ።
ነቲ ዝቕረበሎም ሕቶ መልሲ ዝሃቡ ምክትል ፕሬዚደንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወገኖም ህዝቢ ወልቃይት ትግራዋይነት መንነቱ ዓቂቡ ዝነበረን ዝነብርን ህዝቢ እዩ ኢሎም።

ሕቶ መንነት ዘይብሉ ህዝቢ ሕቶ መንነት ከምዘለዎ ኣምሲልካ ምቕራብ ሓድነቱ ንምዝራግ ዝግበር ፃዕሪ ምዃኑ እውን ተዛሪቦም።


ስለዝኾነ ምዕራብ ትግራይ ሓዊሱ ሙሉእ ቍመና ትግራይ ንምምላስ ውሽጣዊ ሓድነት ምጥንካር ቁልፊ መፍትሒ ምዃኑ ገሊፆም።

ግዝኣታት ትግራይን ተመዛበልቲ ትግራይን ናብ መረበቶም ምምላስ ግዜ ክወሃቦ ዘይግባእ ጉዳይ ምዃኑ ዝሓበሩ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፤ ፀገማት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ብዘላቒነት ዝፍታሕ ብሳልሳይ ወገን ዘይኮነስ ብተጋሩ ጥራሕ ብምዃኑ ኩሉ ኣብዙይ ክዓስል ክኽእል ኣለዎ ኢሎም።

ምምላስ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ካብቶም ካልኦት ከባቢታት ንላዕሊ ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ ንምፍፃም ይስራሕ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲ ደቡብ ትግራይ ፀለምትን ዝነበረ ተሞክሮ ተወሲዱ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ድሕንነቶም ውሕስ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ናብ መረበቶም ንምምላስ ይስራሕ ምህላው ዝሓበሩ ሌ/ጀነራል ታደስ ነዙይ ዕውት ንምንባር ድማ ዝተዋደደ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ስዓቡና

YouTube

Facebook

TikTok

Instagram


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading