Connect with us

ፖለቲካ

ምግምማዕ መሪሕነት ህወሓት ንምምላስ ምዕራብ ትግራይ ስግኣት እዩ ተባሂሉ።

Kulu Media

Published

on

ኣብ ስደትን ኣብ ውሽጢ ዓድን ተመዛቢሉ ኣብ ከቢድ ስቓይ ዝርከብ ህዝብና ናብ መረበቱ ክመለስ ኣብ ዝሰናደአሉ ዘሎ እዋን፤ እዚ ኣብ ሞንጎ መሪሕነት ትግራይ ኣድማሱ እናስፈሐ ዝኸድ ዘሎ ምትፍናን ዓብይ ዕንቅፋት ምፍጣሩ ኣይተርፍን ክብል ፅላል – ሲቭል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ገሊፁ ።

ኣብ ሞንጎ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልልና ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምስምማዕን ምክፍፋልን ኣዝዩ መሰከፍን ኩሉ ትግራዋይ ክኹንኖ ዝግባእ ተግባር እዩ ድማ ኢሉ ፅላል – ሲቭል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ገሊፁ ።

ኣብ YouTube ብምስሊ ይከታተሉ

እቲ ማሕበር ኣብ እዋናዊ ጉዳይት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ እዚ ምክፍፋል ንውልቀን ጉጅላውን ህርፋን ስልጣን ንምምላእ እምበር፤ ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ዘሎ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ፈተና ንምፍታሕ ዘይምዃኑ ምስ እትግንዘብ ድማ ኣዝዩ የሰምብድ እዩ ክብል ኣመልኪቱ።

ብፍላይ ኣብ ስደትን ኣብ ውሽጢ ዓድን ተመዛቢሉ ኣብ ከቢድ ስቓይ ዝርከብ ህዝብና ናብ መረበቱ ክመለስ ኣብ ዝሰናደአሉ ዘሎ እዋን፤ እዚ ኣብ ሞንጎ መሪሕነት ትግራይ ኣድማሱ እናስፈሐ ዝኸድ ዘሎ ምትፍናን ዓብይ ዕንቅፋት ምፍጣሩ ኣይተርፍን ዝበለ እቲ መግለፂ ከይዲ ምምላስ ህዝብና ዕውት ዝኸውን ተወዲቡን ተረዳዲኡን ከም ሓደ ኾይኑ ብቐፃልነት ፀቕጢ ክፈጥር ዝኽእል ምእኹል ኣመራርሓ ምስ ዝህሉ ጥራሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እንተዘይኾይኑ ግን እቲ ከይዲ ምምላስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከቢድ ስነ-ልቦናዊ ስምብራት ብምሕዳር ብኽፋል ወይ እውን ሙሉእ ብሙሉ ክፀልዎ ከምዝኽአል ዘመላኸተ መግለፂ ፅላል – ሲቭል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ምኽንያቱ ድማ ወትሩ ብጥንካረኦም ከይኮነስ ፀገማትና ብምምዝማዝ ዝናበሩ ፀላእትና እዚ ኣብ ሞንጎ መሪሕነት ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል ናብ ረብሐኦም ከውዕልዎ ስለዝኽእሉ እዮም።

ብምዃኑ ድማ እዚ ብውሽጣ ውሽጥን ብሚድያን ደንበ ፈሊኻ ዝግበር ዘሎ ምሽንዳው ቃላት ፅባሕ ከም ህዝቢ ከጥፈአና ዝኽእል ሐደገኛ ኣከያይዳ ብምዃኑ፤ መራሕቲ ትግራይ እዚ ተገንዚብቦ፤ ዘለዎም ኣፈላላይ ንጎኒ ገዲፎም፤ ንባዕሎም ሓደ ኾይኖም መላእ ህዝቢ ትግራይ ሐደ ገይሮም፤ ህዝብና ካብዚ ኣቲይዎ ዘሎ ዓዘቕቲ ከውፅእዎ ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ክፍፅሙ ፅላል -ሲቭል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ፀዊዑ።

ተዛማዲ ዛዕባ፡ሰናይ ዜና ምዕራብ ትግራይ ቀፂሉ

ስዓቡና

YouTube

Facebook

TikTok

Instagram


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading