Connect with us

News

ህወሓት ብዝተመሓየሸ ኣዋጅ ዳግም ‘ከም ብሓድሽ’ ተመዝጊቡ።

Kulu Media

Published

on

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንህወሓት ‘ብፍሉይ ኵነታት’ ከምዝመዝገቦ ኣፍሊጡ። እዚ ደብዳቤ ድሕሪ እቲ ጌታቸው ረዳ ኣብ ጉባዔ ህወሐት ኸምዘይሳተፍ ምፍላጡ እዩ ወፅዩ ዘሎ።

እቲ ፕረዚዳንት ኣብቲ “ዘይሕጋዊ ” ክብል ዝገለፆ ጉባኤ ኸምዘይሳተፍ እውን ኣፍሊጡ ኣሎ ።

ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ እቲ ሐዚ ብገለ ጉጅለ ዝበሎም ኣካላት ዝካየድ ዘሎ ምድላዎት ጉባኤ ኮነ ናብ ቦርዲ መረፃ ኢትዮጵያ ዝቀርብ ዘሎ ሕቶታት ንሱ ኮነ ዝበዝሕ ማእኸላይ ኮሚቴ ዘይፍልጦ ናይ ውሱናት ኣካላት ድሌትን ባህግን ምኳኑ ገሊፁ ።

ኣብ YouTube ብምስሊ ይመልከቱ

ኮሚሽን ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ወግዓዊ ሕጋዊ ኣፍልጦ ከሊእል ዝጸንሐ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ [ህወሓት] ብፍሉይ ኵነታት ወግዓዊ ምስክር ወረቐት ኣፍልጦ ከም ዝሃቦ ኣፍሊጡ።

እንተዀነ እቲ ኮሚሽን ነቲ ሰልፊ ከም ብሓድሽ ከም ዝመዝገቦ ብምግላጽ ነቲ ብህወሓት ቀሪቡ ዝነበረ ‘ዝጸንሐ ሕጋዊ ሰብነቱ ክምለስ’ ዝጠልብ ሕቶ ከም ዘይተቐበሎ ኣፍሊጡ።

ህወሓት ነዚ ኣመልኪቱ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ ህወሓት “ሕጋዊ ሰብነቱ ናብ ዝነበሮ ንክምለስ” ብ13 ሚያዝያን 28 ሚያዝያ 2015[ኣ.ግ] ሕቶ ከም ዘቕረበ ክገልጽ እንከሎ፡ ብመሰረት ኣዋጅ ቍጽሪ 1162/2011 ግን እቲ ሰልፊ ናብቲ ዝነበሮ ክምለስ ዘኽእል ሕጋዊ ድንጋገ ከም ዘየለ ጠቒሱ።

ካብዚ ብዝብገስ ድማ፡ እቲ ሰልፊ ብፍሉይ ኵነታት ንምምዝጋብ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ መሰረት ብምግባር ከምኡ’ውን እቲ ሰልፊ “ናይ ዓመጽ ተግባር ደው ብምባል ብሕገ መንግስታዊ መገዲ ንኽንቀሳቐስ” ከም ዝተሰማምዐ ብምሕባር “ብፍሉይ ኵነታት ከም ሰልፊ ንክምዝገብ” ከም ዝወሰነ ሓቢሩ።

ጠቕላላ ጉባኤ ዝምልከት

ብመሰረት እቲ ሎሚ ዝወጽአ መግለጽ ቦርድ መረጻ፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ብፍሉይ ዝተመዝገበሉ ውሳነ ዝሓዘ ደብዳበ ካብ ዝበጽሖ መዓልቲ ጀሚሩ ዘለው ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ እቲ ሰልፊ ተዓዘብቲ እቲ ቦርድ ኣብ ዝተረኸብሉ ጠቕላላ ጉባኤ ንኽገብር፡ ኣብቲ ጉባኤ ድማ መተሓዳደሪ ደንቢ ከጽድቕን ኣመራርሓኡ ንክመርጽን ወሲኑ ኣሎ።

እቲ ቦርድ፡ ስርሓት ቅድመ ምድላው እቲ ጉባኤ ንምክትታል ንክጥዕሞ ድማ፡ እቲ ሰልፊ ጉባኤ ቅድሚ ምክያዱ ቅድሚ 21 መዓልታት ጉባኤ ዘካይደሉ መዓልቲ ከፍልጥ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ጠቕላላ ጉባኤ በቲ ቦርድ ምስ ጸደቐ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሓደ ዓመትን መንፈቕን “እቲ ሰልፊ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ይገብር ምህላውን ዘይምህላውን” ከም ዝከታተል ኣፍሊጡ።

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንህወሓት ዝሃቦ ምስክር ወረቐት

ፕረዚዳንት ጌታቸው ዝፀሓፎ


ብዛዕባ ከይድን ዴሞክራሲያውነትን ሕጋውነትን ጉባኤ ናብ ሓደ ዓይነት ምርድዳእ ከይተበፀሐ እናሃለወ ሐዚ ድማ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ውሳነ ዘየዕረፈሉን ዘይፈልጦን ናይ ምዝገባ ምንቅስቓስ ዝገብር ኣካል ከምዘሎ ተረዲእና ኣለና፡፡ እዚ ኣካል ናይ ውድብና ህንፃን ኣሰራርሓን ሃደሽደሽ ኣቢሉ ብምጥሓስ ናይ ባዕሉ ፀቢብ ረብሓ ንምርግጋፅ ውድብና ክዋፅኦ ናብ ዘይኽእል ሓደጋ ብዘእቱ መንገዲ እዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ፡፡ ይመላእ ይፈፀም ከዓ ማእኸላይ ኮሚቴ ንምዝገባ ተባሂሉ ዘይፈረመሉ ዝተጭበርበረ ሰነድ ኣተሓሒዙ በቲ ሓዱሽ ኣዋጅ መሰረት ንብሄራዊ ቦርድ ኢትዮጵያ ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ተራ ስሕተት ዘይኮነስ እቲ ውድብ ንምፍራስን መኸተ ህዝቢ ትግራይ ከንቱ ንምግባርን ኮነ ተባሂሉ ዝስራሕ ዘሎ ጉጅላዊ ምንቅስቓስ እዩ ድሕሪ ምባል

ተዛማዲ ዛዕባ፡ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ንጉባኤ ህወሓት ተቓዊሙ።

ስለዝኾነ እቲ ናይ ውድብ ኣፍልጦ ንምርካብ ናብ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ናይ ኣፍልጦ ሕቶ ይኹን ብሽም ህወሓት ዝግበር ዘሎ ናይ ጉባኤ ምንቅስቓስ ኩሎም ንውድብ ህወሓት ዘይወክሉ ናይ ሓደ ጉጅለ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ስለዝኾነ ፈፂመ ከምዘይቕበሎ የፍልጥ። ኣይቕበሎን ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ዝግበር ዘሎ ቀይዲ በተኽ ምንቅስቓስ ውድብ ዘፍርስ ስለዝኾነ ብፅንዓት እውን ክቃለሶ እየ ክብል ተቋውምኡ ገሊፁ እዩ።

ጉባኤ ህወሓት ተናዊሑ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ንፅባሕ ክካየድ ተወጢኑ ከምዝነበረ ዝተዘረበሉ ጉባኤ ህወሓት ድሕሪ እቲ መረፃ ቦርድ ዝፀሓፎ ደብዳቤ ንዘይተፈለጠ እዋን ምንውሑ ተገሊፁ ኣሎ ።

ስዓቡና

YouTube

Facebook

TikTok

Instagram


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading