News
ጫፍ ምብትታን ህወሓት
ህወሓት ኣብ ጫፍ ምብትታን ምህላው ተንተንቲ ገሊፆም።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ በዓልሞያ ሕግን ተንታኒ ፖለቲካን ተኽሊት ገብረመስቀል፡ “ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ክፍፍል ስልጣን ናይ ምቍጽጻር ቃልሲ ዝወለዶ እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ግን ካብ ውሽጣዊ ድስካለ ብዝሰገረ ብናይ ደገ ኣካላት እውን ዝድፋእ እዩ ኰይኑ ዘሎ” ይብል።
ሓዱሽ ቃለ መሕትት ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ
በዓልሞያ ሕግን ተንታኒ ፖለቲካን ተኽሊት ገብረመስቀል፡”ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ምክፍፋል ከምዘጋጠሞ ገሊጹ ኣሎ። ኣይተጋገዩን እቲ ሓቂ ንሱ እዩ። ሕዚ ዝርከበሉ ደረጃ ናይ ድስካለ እዩ። ኣብ ሕሉፍ እዋናት ዘጋጠምዎ ምክፍፋላት ምስ ናይ ቃልሲ ሓሳብ ወይ ስትራተጂ ንጽረት ከምኡ’ውን ነቲ ውድብ መን ይውንኖ ኣብ ዝብሉ ዘተኰሩ እዮም ነይሮም” ዝብል ተኽሊት ኣብዚ እዋን ግን ብፍላይ ካብ 1993 [ግ.] ንደሓር ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ድስካለ ከምዝርከብ ይገልጽ።
ሙሉእ ትሕዝቶ ኣብ Kulu News ኩሉ ዜና
ቅድሚ ሕጂ ኣብ 1969፡ 1977 ከምኡ’ውን 1993 [ኣ.ግ] ጸገማት ኣጋጢሞሞ ዝነበሩ ጸገማት ዓበይቲ ምንባሮም ዝዝክር ሓደ ካብ ላዕለዎም መሪሕነት ህወሓትን ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ዝነበረ ኣብዚ እዋን ከኣ ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ውድብ ፖለቲካ ዓረና ትግራይ ንዲሞክራሲን ልኣላውነትን ኣቶ ገብሩ ኣስራት እቲ ናይ ሎሚ ግን ዝኸፍአ ከምዝዀነ ይድምድም።
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.