ትግርኛ
“መራሕቲ ህወሓት ሓቢርካ ንምስራሕ ፍቃደኛታት ኣይኮኑን ” ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ
ካብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ትግራይ ዝተውጻጹ ተወከልቲ ህዝቢ ትግራይ ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣህመድ ዘተ ኣካይዶም እዩም።
ሎሚ 06 መጋቢት 2016 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤተ መንግስቲ 4ኪሎ ኣብ ዝካየድ ዘተ ልዕሊ 200 ተወከልቲ ህዝቢ ፣ዋና አመሓደርቲ ዞባታት ትግራይ፣ ፕሬዝዳንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳን፣ሚኒስትሪ ምኽልካል ሀገር ዶ/ር ኣብርሃም በላይን ዝተወሰነ አመራርሓ ፌደራል ተሳቲፎም እዩም።
እቶም ተወከልቲ ህዝቢ ብዛዕባ ኩነታት ትግራይ ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ሪኢቶታትን ኣቅሪቦም ምላሽ ተዋህብዎም እዩ።
ካብ ተወከልቲ ትግራይ ዝተልዓለ ሕቶን ርኢቶን ስዒቡ አብይ አህምድ ብዛዕባ ተመዛበልቲን ግዝኣት ትግራይ ዝምልከት መልሲ ሂቡ ኣሎ።
ተመዛበልቲን ግዝኣት ትግራይ ንምምላስ ዝሰርሕ ብፕሬዝደንት አይተ ጌታቸው ረዳን ፕረዝደንት አይተ አረጋ ከበደ ዝምራሕ ኮሚቴ ተጣይሹ ከምዘሎ ዝገለጸ ኣብይ ኣህመድ ኣብ ቀረባ ፍታሕ ከምዝግበረሉ ገሊጽ ኣሎ።
እቲ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ምስተመለሰ ናይ ሪፈረደም ሕቶ እንተሎ እውን ስራሕቲ ክስረሑ እዮም ክብል ገሊጹ ኣሎ።
ብኻሊእ ወገን ንጡረኛታት ልዕሊ 1.6ቢልየን ቅርሺ ተመዲቡ ከምዘሎ ካብ ቀጻሊ ወርሒ ጀሚሩ እቲ ጸገም ከምዝፍታሕ ገልፁ ኣሎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣመራርሓ ትግራይ ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣብ መንጎ መንግስቲ ትግራይን ፈደራልን ምትእምማን ንክፍጠር አመራርሓ ትግራይ ምስ ፌደራል ንክሰርሑ ጻውዒት ከምዝገበረ ዝገለጸ ኣብይ አህመድ ግን ድማ መራሕቲ ትግራይ ፍቃደኛ ኣይኮኑን ብምባል ገሊጹ ኣሎ።
ንአብነት ጄኔራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ናብ ፌደራል መጺኡ አመራርሓ ክኾን ከምዝሓተተን ተቀባልነት ከምዘይረኸበን ብምግላጽ ካብ አመራርሓ ህወሓት ናብ ፌዴራል ይምፅኡ ሹመት ይሓዙ ንመኻኸር ኢና ንብል ኢሉ ኣሎ።
ኣብዚ ሓሳብ እዚ ፕሬዝዳንት ጌታቸው መልሲ ዝሃበ እንትኾን ብሓባር ክንሰርሕ ዘይምድላይ ኣይኮነን ፅፋፍን መስመሩ ዝሓለወ አካይዳ ክግበር አለዎ ኢና ንብል ዘለና ኢሉ ኣሎ።
ኢትዮጵያ በሊዓ ፀጊባ እናሓደረት ትግራይ አይትጠምይይ ኹሉ ነገር ክስተኻኸል እዩ ኢሉ እቲ ህዝቢ ትግራይ ወኪሉ ንዝኸደ ህዝቢ ይፈጽሞ ኣይፈጽሞ ቃሉ ሂቡ ኣሎ ድማ ተባሂሉ ።
ሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ኣብርሃም በላይ ነቲ ዘተ ጠሚቱ ኣብ ዕላዊ ድሕረ ገፁ ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ ድማ ሎምዓንቲ መጋቢት 6፣ 2016 ዓ/ም ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ምስ ዝመፁ ተወከልቲ ህዝቢ ዕዉት ምይይጥ ኣካይድና ኣለና።
ህዝበይ፥ ብስለት፣ ህድኣት፣ ቅንዕናን ኢሉ እውን ንሰላም ዘለዎ ፅኑዕ ቅዋምን ብግልፂ ዘርኣየሉ መድረኽ ነይሩ:: ህዝብና ኣድለይቲ ሕቶታት ከየንጠባጠበ፥ ብዝጥዕም ላዛን ኣኽብሮትን ዝሓተተሉ መድረኽ እውን ነይሩ ኽብል ገሊፁ ።
እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ምስ መንግስቲ ፌደራል ተቐራሪብካ ብምስራሕ፣ ሰላም ክፀንዕ፣ ልምዓትን ሕውየትን ትግራይ ብዝፈጠነ መንገዲ ንምርግጋፅ ዘኽእል ዕድል ከምዝህልዎ እውን ዘረጋገፅናሉ መድረኽ እዩ ድሕሪ ምባል፣
ካብ ተወከልቲ ህዝቢ ዝተልዓሉ ሕቶታት፣ ገሊኦም ኣብኡ መልሲ ዝረኸብሉ (ጡረታ ዝምልከት ፌደራል መንግስቲ ክሽፍን ብምውሳን ፍታሕ ዝተረኸበሉ)፤ ግልፅነት ዘድልዮም (በጀትን ዝኣመሰሉን) ግልፂ ዝተገብረሉ ፤ ውሱናት ድማ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ዝተመርሑሉ ውፅኢታዊ መድረኽ ነይሩ። ሰላም መሰረት ኩሉ እዩ፤ ንሰላምን እሂን-ምሂንን ቅድምያ ንሃብ ኽብል ሓቢሩ ።
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.