News
ህወሓት ጉባኤ ከምዘካይድ ተገሊፁ።
ህወሓት ኣብ ጉዳይ ጉባኤ ቅድሚ ሕጋዊ ኣፍሎጦ ክነካይድ ኢና ኣይነካይድን ብዝብል ኣብ ክልተ ኸምዝተገመዐ ኽግለፅ ዝፀነሐ ኾይኑ ሐዚ ድማ እቲ ብቤት ፅሕፈት ህወሓት ዝምራሕ ጉጅለ ጉባኤ ንምክያድ ኸምዝወሰነ ይግለፅ ኣሎ ።
እቲ ሐዚ ዝተረኸበ ሓበሬታ
“ፅባሕ ሶኒ 6 ነሓሰ ሪፖርት ግበሩ፤ ጉባኤና ሰሉስ ዕለት 07 ክጅመር እዩ” ዝብል መልእኽቲ ናብ ታሕቲ ኸምዝወረደ እዩ።
ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓትን “እቲ ዝሕሰብ ዘሎ ጉባኤ ብገለ ንውልቃዊ ረብሓ ዝሓልሙ ኣካላት ዝተጨወየ እዩ “ብምባል ኸምዘይሳተፍ ብደብዳቤ ኸምዘፍለጠ ይዝከር ።
እቲ ጉባኤ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ክካየድ ከምዝነበሮ ዝጠቅስ ደብዳበ ኣቶ ጌታቸው፡ “ግን ድማ ብሰንኪ ምዕንቃጽ መሪሕነት” ክሳብ ሎሚ ከይተኻየደ ምጽንሑ ገሊጹ።
ቅድሚ ኣዋርሕ ጉባኤ ንምትሕብባር ዝተጣየሸ ኣሰናዳኢ ኰሚቴ “ብውሑዳት ሰባት ከምዝተጨወየ” ብምሕባር ኮሚሽን ቍጽጽር ከምኡ’ውን ብደረጃ ዞባን ወረዳን ዘለዉ ካድረታት ህወሓት ንባዕሎም ካብቲ ጉባኤ የግልሉ ኣለዉ ኢሉ።
“ኣብ ባይታ ዘሎ ቅጥዒ ዝጐደሎ ምንቅስቓስ ኣብ መወዳእታ ንውድብናን ህዝብናን ናብ ሓደጋ ዘእትው እዩ” ዝበለ እቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ዝግበር ዘሎ “ቀይዲ በተኽ” ዝበሎ ምንቅስቓስ ካብ ናቱን ማእከላይ ኮሚቴን ኣፍልጦ ወጻኢ ከምዝዀነ ሓቢሩ።

እቲ ደብዳበ ከምዘመልከቶ፡
እቲ ደብዳበ ከምዘመልከቶ፡ መስርሕ ዲሞክራሲያውነትን ሕጋውነትን እቲ ክካየድ ምሽብሻብ ዝግበረሉ ዘሎ መበል 14 ስሩዕ ጉባኤ ኣብ ሓደ ምርድዳእ ዝተበጽሓሉ ኣይኰነን።
“ህወሓት ጉባኤ ከካይድ እንተዀይኑ መጀመርያ ብቦርድ መረጻ ክምዝገብ ኣለዎ” ክብል ዝተሰምዐ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ እዚ ኣብ ዘይከውን ጉባኤ ምክያድ ግን ናብ ጎንጺ ዘእተው ከምዝኸውን ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ነዚ ዘረባ ቀዳማይ ሚኒስተር ስዒቡ ምስኡ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ዝሓበረ ኣቦመንበር ህወሓት ደብረጽዮን (ዶ/ር) “እቲ ጉዳይ ተዘራሪብናሉ ኣለና፤ ጉባኤ ምክያድ ናብ ካልእ ኲናት ዘእቱ ኣይኰነን” ክብል መግለጺ ምሃቡ ይዝከር።
ሕጋዊ ኣፍልጦ እቲ ውድብ ንምምላስ ናብ ቦርድ ምርጫ ደብዳበ ከምዘእተዉን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን መልሲ ክወሃቦም ከምዝጽበዩን ዝገለጸ እቲ ኣቦ መንበር “እንትኾነ ቦርድ መረፃ ህወሓት ኸምብሓዱሽ ክምዝገብ ምውሳኑ ስዒቡ ህወሓት ትማሊ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳቤ ነፂግዎ እዩ ።
ኣብ ጽባሕ መግለጺ ኣቦ መንበር ህወሓት ምስ ተለቪዥን ድምጺ ወያነ ትግራይ ቃለ-መሕትት ዘካየደ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፡ ብወገኑ “ህወሓት ዘእተዎ ደብዳበ ነቲ ዝነበሮ ሕጋዊ ሰብነት ንምምላስ ዘይኰነስ ብመሰረት እቲ ኣብ ቀረባ ዝወጸአ ኣዋጅ ንኽምዝገብ ዝጠልብ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።
ተዛማዲ ዛዕባ፡ “ጥያቄው ሌላ መልሱ ሌላ ሆነዋል”- ህወሓት
ኣብቲ ብዝሓለፈ ዓርቢ 9 ነሓሰ 2024 [ኣ.ኣ] ዝዘርግሖ ደብዳበ ከኣ “ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ውሳነ ዘየዕረፈሉን ዘይፈልጦን ናይ ምዝገባ ምንቅስቓስ ዝገብር ኣካል ከምዘሎ ተረዲእና ኣለና። ማእከላይ ኰሚቴ ዘይፈረመሉ ዝተጭበርበረ ሰነድ ኣተሓሒዙ ብመሰረት እቲ ሓድሽ ኣዋጅ ናብ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሕቶ ኣቕሪቡ’ሎ” ይብል።
ስለዝዀነ ድማ እቲ ናብ ቦርድ መረጻ ዝኣተወ ደብዳበ ምሕታት ሕጋዊ ኣፍልጦ ይዅን ብስም ህወሓት ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ጉባኤ “ናይ ሓደ ጕጅለ ምንቅስቓስ ስለዝዀነ ፈጺመ ከምዘይቅበሎ የፍልጥ። ብጽንዓት እውን ክቃለሶ እየ” ይብል ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ደብዳበኡ።
ካብዚ ብተወሳኺ ጉባኤ ህወሓት ገለ ወረዳታት ትግራይ ነጺገንኦ እየን።
ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ካብ ዝርከባ 14 ወረዳታት እተን 12 ወረዳታት፡ እቲ ውድብ “ኣብዚ እዋን ጉባኤ ከካይድ ከም ዘይብሉ” ኣብ ውሳነ ዝበጽሑ ኰይኖም፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ድማ ዝተፈላለዩ ጣብያታት “ጉባኤ ክነካይድ የብልናን” ዝብል ውሳነ ሓሊፉ’ሎ።
ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትርከብ ወረዳ እንደርታ ኣብዚ ጉዳይ ውሳነ ንምሕላፍ ተወከልቲ 24 ጣብያታት ዝተሳተፋሉ ኣኼባ ኣብ ዘካየደትሉ፡ ምሉእ ብምሉእ “ጉባኤ ኣብዚ እዋን ክካየድ የብሉን” ዝብል ውሳነ ከም ዘሕለፈት ምንጪታት ንቢቢሲ ገሊጾም።
ኣፈጉባኤ ወረዳ እንደርታ ወይዘሮ ስላስ ሃፍቱ ህዝቢ ኣብ ዝተሓላለኸ ጸገም እንከሎ ጉባኤ ምክያድ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ኣይኰነን ብምባል፡ ኣብ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዘሎ ምክፍፋል ኣሰካፊ ምዃኑ’ውን ካልእ ተወሳኺ ምኽንያት ከም ዝዀነ ንቢቢሲ ገሊጻ።
“ኣቦወንበር ውድብን ምክትሉን ኣብ ሓደ ኣብ ዘየለዉሉ፣ ኣቦወንበር ቍጽጽር ኮሚሽን ምስ ኣባላቱ ኣብ ዝወጽሉ ኵነታት ዝካየድ ጉባኤ ግቡእ ኣይኰነን” ብምባል ወሲኻ ነቲ ህሉው ኵነታት እቲ ውድብ መሰረት ገይራ ትገልጽ።
ኣብ ወረዳ ወጀራት ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ በዓል ስልጣን እቲ ውድብ ድማ፡ ‘ጉባኤ ሕዚ ክካየድ የብሉን’ ዝብል ተቓውሞ ኣባላት መንቀሊኡ ማሕበረሰባውን ፖለቲካዊ ቅልውላው እቲ ክልል ምዃኑ’ውን ይገልጽ።
“ቅድሚ ጉባኤ ህዝቢ ትግራይ እዩ ክቕድም ዘለዎ”
“ቅድሚ ጉባኤ ህዝቢ ትግራይ እዩ ክቕድም ዘለዎ፡ ኣብ መከራን ጸበባን እናሃለወ ጉባኤ ምክያድ እዋኑ ኣይኰነን ዝብል እዩ፤ ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ ዝኽእሉ ኣብ ዝግበር ኣኼባታት መሰረታዊ ውዳበ ክሳተፉ ዝግባኦም ኣባላትን ካድራትን ኣይተረኽቡን፤ እቲ [ዝካየድ ዘሎ] ኣኼባታት ንባዕሉ ዓፈና ዝተራእዮን፣ ምቕባል ሓሳባት ዘይነበሮን እዩ ነይሩ” ኢሉ።
ማእከላይ ኮሚሽን ቍጽጽር ህወሓት ንኣካይዳ ናይቲ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ኣመልኪቱ፡ ‘ዕላማ ናይቲ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ጉባኤ ‘ብዝተጐጀሉ ላዕለዎት መራሕቲ ተጨውዩ’ ብምባል፡ ኣባላቱ ካብ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ከምዝሰሓበ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ኣቦ ወንበር ማእከላይ ኮሚሽን ቍጽጽር ህወሓት ኣቶ ተኽለብርሃን ኣርኣያ፡ “ብግጕይ መገዲ ክኸይድ ዝደሊ ሓይሊ ኣሎ። ዝጸንሐ ሕመቕ ኣሎ፤ እዚ ከኣ ስርዓታዊ ሕመቕ እዩ። ኣመራርሓ ካብ ዕላማ ክርሕቕ ከሎ ነቲ ውድብ ይጽይቘ። ኣመራርሓ ማእከሉ ጥቕምን ስልጣንን ገይሩ’ሎ። ኣብ ውሽጢ ውድብ ርኡይ ዝዀነ ክልተ ናይ ኔትወርክ ምትእስሳር ተፈጢሩ’ሎ። እዚ እዩ ንዅሉ ዘሪግዎ” ብምባል፡ ንቢቢሲ ገሊጹ’ዩ።
ሓላፊ ውዳበ ህዝቢ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኣቶ ደስታ፡ “ሓደ ውድብ ጉባኤታቱ ብስሩዕ ከካይድ ግቡእ እዩ። እንተዀነ ኣብቲ ዝግበር ቅድመ ምድላዋት ክውገኑ ዝግባኦም ነገራት ኣለዉ፤ ኣብ ሓደ ኣረኣእያ ምህላው፡ ናብ ሓድነት ዘምጽእ ምዃኑን ዝተፈናጨላ ጕጅለታት ዘይምህላወንን” ዝኣመሰሉ ነገራት ምርግጋጽ ኣገዳሲ ከምዝዀነ ይገልጽ።
ክልተ ጕጅለታት ኣሎ
ኣብዚ እዋን ግን፡ “ክልተ ጕጅለታት ኣሎ፤ እቲ ሓደ ጕጅለ ኣብ ግዝያዊ መንግስቲ እቲ ካልኣይ ጕጅለ ኣብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ዝዓረዱ ኰይኖም እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ናይ ምጥላፍ ኣረኣእያታት ኣሎ። ስለዚ እዚ ጉባኤ ነቲ ሓደ ቈሪጹ ነቲ ሓደ ኣሐይሉ ክኸይድ ዝደሊ ጉባኤ ስለዝዀነ ረብሓ የብሉን ዝብል እምነት ስለዘለና ኢና ንቃወም ዘለና” ኢሉ።
እንተኾነ ግን እቲ ብቤት ፅሕፈት ውድብ ህወሓት ዝምራሕ ዝተብሃለሉ ጉጅለ ጉባኤ ንምክያድ መዓልቲ ኸምዝቆረፀ ይግለፅ ኣሎ ።
እንተኾነ እዚ ኸቢድ ምግምማዕ ኣስዒቡ ክካየድ እዩ ዝበሃል ጉባኤ ህወሓት ኣብ መቐለ ንዘለው ሰበስልጣን ናብ ኸቢድ ምትህልላኽ ከየእትዎም እዩ ተሰጊኡ ዘሎ ።
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.