ዜና ትግርኛ
ትግራይ ንክልል ኣምሓራ ኣጠንቂቓ
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ዘቅነዐ ከቢድ መጠንቀቅታ ሰዲዱ ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዛዕባ ብክልል ኣምሓራ ዝተጎበጠ መሬት ትግራይ ዝምልከት ትርር ዝበለ መጠንቀቕታ ዝተሓወሶ መግለፂ ኣውፂኡ ኣሎ።
ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ክልል ኣምሓራ መሬት ትግራይ ኣብ ካርትኡ ኣስፊሩን ኣካል ስርዓተ ትምህርቱ ገይሩን እናምሃረሉ ከምዘሎን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተረዲኡ ኣሎ ዝበለ እንትኮን፣ እዚ ክልል መሬት ትግራይ ብዝምልከት ኣብ ስርዓተ ትምህርቱ ዘስፈሮ ካርታ ሓላፍነት ዝጎደሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝቢ ትግራይ ቆራሪስካ ናይ ምጥፋእ ወፍሪ ደዉ ንከይብል ብዝኸፍአ መልክዑ ይሰርሓሉ ምህላዉ ዘረጋግፅ ምዃኑ እውን ተገንዚብና ኣለና። ክብል ነቲ ብክልል ኣምሓራ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ምቅርማት መሬት ትግራይ ብትሪ ኮኒንዎ።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር መግለፂኡ እንትቅፅል “መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና እናፈፀሞ ዝመፅአን ሕዚ ብሓይሊ ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዕን መንከራን ከይኣክልን ብዝፈፀሞም ጥፍኣታት ኣብ ክንዲ ዝጥዓስን ናብ ከምዚ ዝበለ ታሪካዊ ስሕተት ምእታዉ ብቐፃልነት ዋጋ ከምዘኽፍሎ ፈሊጡ ብህፁፅ ክእርሞ ኣለዎ ድሕሪ ምባል፣ መንግስቲ ፌዴራል እውን ቅድሚ ሕዚ ብትካላት ፌዴራል ሎሚ ድማ ብክልል ኣምሓራ ዝዳለዉ ዘለዉ ሓላፍነት ዝጎደሎም ካርታታት ክእርሞምን ኣብ ልዕሊ ጥፍኣት ፈፀምቲ ኣካላትን ትካላትን ግቡእ ስጉምቲ ክወስድን እናተገብአ ርእዩ ከምዘይርኣየ ምሕላፉ ንባዕሉ ኣካል እቲ ጥፍኣት ምዃኑ ዘመላኽት እዩ ክኸውን። ክብል ንመንግስቲ ፌደራል እውን ነቂፉ እዩ ።
ህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝተማልአ ብርኪ ብምፍፃም ሰላምን ምርግጋዕን ንክመፅእ ብልዑል ሓላፍነት ኣብ ንሰርሓሉ እዋን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ከምዚ ዓይነት ነገር ምፅሕታር ነቲ መስርሕ ሰላም ንምህዋኽ ኮነ ኢሉ ዝፍፀሞ ጥፍኣት ምዃኑ እውን ክስመረሉ ይግባእ ዝበለ መግለፂ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ህዝቢ ኣምሓራ ኮነ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እናተፈፀመ ዝመፅአን ሕዚ እውን ዝቕፅል ዘሎን ግፍዕን በደልን ደው ይበል ኢሉ ኣብ ጎኒ ህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ ጠጠው ንክብሉ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይፅውዕ ኢሉ ።
እዚ ከይኮነ እንተተሪፉ ግን ስዒቡ ናይ ዝመፅእ ነገር ሙሉእ ሓላፍነት ዝወስድ ባዕሉ ክልል ኣምሓራ ምዃኑ ክነፍልጥ ንደሊ ክብል መግለፂኡ ከንቢቱ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ።
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.