ትግርኛ
ውዕሎ ልኡኻት ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ
ግዝኣት ትግራይ ከይምልስ ዝሓንገደ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ንተወከልቲ ትግራይ ኣብ ዘብለጭልጩ ፕሮጀክትታት ዑዶት ከካይዱ ከምዝገበረ ተፈሊጡ ።
ኣብ ኣዲስኣበባ ዝነብሩ ተጋሩ ነጋዶን ካብ ትግራይ ወከልቲ ህዝቢ፣ሲቪክ ማሕበር ፣ ነጋዶ፣ ኣመራርሓ ዞባታትትግራይን ካልኦትን ሓሙስ መጋቢት 5/2016 ዓ.ም ኣብ ኣንድነት ፓርክ ፣ ወዳጅነት ፓርክ፣ ኣብርሆት ቤተንባብ፣ ብሄራዊ ቤተመንግስቲ፣ ማእኸል ምርምር ሳይንስ፣ካብ ዓለም ብቴክኖሎጂኡ ራብዓይ ደረጃ ዝሓዘ ዱም ሲነማ፣መዘከርታ ዓወት ዓድዋ፣እንጦጦ ፓርክን ኣብ ከባቢ ሆቴል ሸራተን ዝተሰርሐ ዝተማልአ ቴክኖሎጂን ዘለዎ ሞዴል መንገዲ ዑደት ኣካይዶም ።

እቲ ልኡኽ 200 ኣባላት ዝሓዘ እንትኾን ስርዓት ብልፅግና ከምቲ ዝለመዶ ዘብለጭልጩ ግን ድማ ብኲናትን ጥሜትን ንዝሃልቅ ዘሎ ህዝቢ እዚ ዝበሃል ረብሓ ዘይብሎም ፕሮጀክትታቱ እናጎብነየ ተዛተይቲ ዝርእይዎ ኣድኒቆም ጥራሕ ክብተንሉ ስለዝደሊ እዩ ተባሂሉ።
መዘከርታ ዓድዋ ኣብቲ ታሪኽ ዝተሰረሐሉ ከባብታት ዓድዋ እዩ ክስራሕ ነይርዎ። ካሊእ ቃርዩ ኣብ ዓድዋ ክህነፅ ተባሂሉ ቅድሚ 7 ዓመታት እምነኩርናዕ ዝተቐመተሉ ፓን ኣፍሪካ ዩኒቨርስቲ ሽታ ማይ ኮይኑ ተሪፉ እዩ ዝብል እቲ ሓበሬታ እዚ ስርዓት ሎሚ ኣብ መዘከርታ ኣዲስ ኣበባ ኣቅሚጥዎ ዘሎ ንተጋሩ ዝዉክል ቅርፃ ቅርፂ ከምቲ ናይ መለስ ሌጋሲ ንምጥፋእ መለስ ፋዉንዴሽን ስሙ ዝቐየሮ ፅባሕ ተጋሩ ኣካል ኲናት ዓድዋ ኣይነበሩን ኢሉ ከምዘይኽሕድ ምንም ዓይነት መረጋገፂ የለን ኢሎም ኣለው ።

ንዝሓለፉ ከባቢ 30 ዓመታት ብዓፅምን ደምን ተጋሩ ዝተሃነፀት ሃገር ኣብ ልዕሊ ዋጋ ኸፊሉ ሓድነታ ዝሓለወላ ህዝቢ ትግራይ ብዝፈፅመቶ ጀኖሳይዳዊ ጨፍጫፍ ስዒቡ ድማ ብዝጋጠመ ድርቂ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኸፈአ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ጥሒሉ ፅንተት መልክዑ ቐይሩ እናቐፀለ ይርከብ።
ስለዝኾነ ድማ ኣቱም ተወከልቲ ተባሂልኩም ናብ ኣዲስ ኣበባ ገሽኩም ዘለኹም ተጋሩ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ብሓይሊ ወሪሮም ህዝቢ ዘፅነትሉን እናፅነትሉ ዘለዉን ከባብታት ትግራይ ወፅኦም ተመዛቢሉ መከርኡ ዝርኢ ዘሎ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስን፤ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቀውሲ ዝምጥን ሓገዝ ክግበርን ዉዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእ ክትግበርን ኣብ ዝብሉ ኣድሂብኩም ከም እትዝትዩ ተስፋ ንገብር ኢሎም ኣለው ።
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.