Connect with us

News

ሰራዊት ትግራይ ውግንንኡ ኣነፂሩ።

Kulu Media

Published

on

Tigray-Defense-forces-2

ቅድሚ መዓልትታት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቱ  ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ዛዕባ ብሰላማውን ፖለቲካውን ቃልሲ ጥራሕ ክፍታሕ ከምዘለዎ ዝነፀረሉ  መግለፂ ምውፅኡ ዝዝከር ዩ።

እቲ ሕዚ ወፂኡ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ድማ ኣመራርሓ ስታፍ ግምባር ደቡብ ትግራይ ኣብ እዋናዊ ኩነታትን ብሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዝቐረበ መግለፂ ቅዋምን ኣድሂቦም ሎሚ ዕለት 9/12/16 ዓ/ም ዘተ ኣሳሊጦም ኣለው።
ብኮሚሳር ግምባር ደቡብ ተጋዳላይ ተስፋይ ደራ  እቲ  ብሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዝወፀ መግለፂ ንተኣከብቲ ኣመራርሓ ስታፍ ግምባር ደቡብ ቀሪቡ ምይይጥ ተኻይዱ ኣሎ።

ተዛማዲ ዛዕባ፡ ሓዱሽ መግለፂ ጀነራል ታደሰ ወረደ

እቶም ቅዋም ዝተታሕዘሎም ዛዕባታት ድማ ውድብ ኣብ ክልተ ተሰንጢቑ ከም ዘሎ ግሁድ ኮይኑ’ሎ።ናብ ካድረን ማሕበረሰብን ክልሑኽ ከምዝኽእል ድማ ርዱእ ኾይኑ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ድማ ኣብ ዕላምኡ እንተፀኒዑ ግና ዝመፅእ ሽግር ከምዘይህሉን ኣነፂሮም ኣለው።

እቲ ሓበራዊ ቅዋም “ንሕና ምስ ክልቲኦም ክንእከብን ንዝኾነ ክንውግንን ኣይንኽእልን።ከም ሰራዊት ትግራይ ናይ ባዕልና ቅዋም ሒዝና ኣለና።ህዝብና ክነድሕን ኣብ ጎድኒ ህዝብና ጠጠው ክንብል ኢና።ናይ ክልቲኦም ሓይልታት ጐንፂ ካባና ወፃኢ ክኸውን ኣለዎ።እታ በትሪ ኣብ ኢድና እያ ዘላ።ናብ ሓዲኦም ዘምበል እንተይልና ነገር ክበላሾ እዩ።ኣብ ናይ ባዕልና ቅዋም ክንፀንዕ ኣለና። ናይ ሰራዊትና ድሉውነት ዘጠራጥር ኣይኮነን ክብሉ ነቲ ዝፀንሐ ፅኑዕ ቅዋም እቲ ሰራዊት ብግልፂ ኣቐሚጡ ኣሎ።

ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣብ ሰራዊት ኣትዩ ክሕምስ ኣይንፈቅድን።


ንህዝብና ከናሹን ከራኽስን ዝመፅእ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ኣይንዕገስን ።ድሕሪ ኲናት ቅልውላው ክፍጠር ባህርያዊ እዩ።እዙ ኣብ ህወሓት ኣጋጢሙ ዘሎ ሕልኽላኽ ግና ኣዝዩ ዝኸበደን ሓደገኛን እዩ።ኣብ ስልጣን ዝግበር ሽኩት ነዓና ንሰራዊት ከይፀልወና ጥንቃቐ ብምግባር ዝተቓለስናሉ ከምዚ ኮይኑ ምርኣይ ግን ከቢድ’ዩ ዝበሉ እቶም ኣመራርሓ ሰራዊት ወትሩ ድማ ኣብ ጐድኒ ህዝብና ጠጠው ክንብል ኢና ክብሉ ውግንነኦም ዝነፀሩሉ መድረኽ ብዓወት ዛዚሞም ኣለው።

ስዓቡና

YouTube

Facebook

TikTok

Instagram


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading