ትግርኛ
“ዕጥቅና ኣይንፈትሕን ” – ትግራይ
መንግስቲ ፌደራል ኣብ ውዕሎ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካ መሬታት ትግራይ ብዝምልከት ብሪፈረንደም ጥራሕ ከም ዝውሰን ቅዋሙ ከምዘነፀረ ተመላኺቱ ።
ካብዚ ሓሊፉ ኤርትራ ዝሓዘቶ መሬት ትግራይ ብወዕል ኣልጀርስ ዝተወሰነ መሬታ ከምዝኾነን ሐዚ ውን ትግራይ ኽትወግአኒ ትዳሎ ኣላ ዝብል ነቲ ስምምዕ ንዘይምትግባር ዝኸዶ ርሕቀት ኸምዘነፀረን ተመላኺቱ ።
እቲ ካብ መሰረቱ እውን መሰረታዊ ሕቶታት ትግራይ ንጎድኒ ዝገደፈ ምኳኑ ዝተነገረሉ ኣኼባ ብምዕራባውያን ዝግናሕን ንጀኖሳይዳዊ ህልቂት ትግራይ ብስቕታ ክዕዘብ ዝጸንሐ ሕብረት ኣፍሪቃ ንመሰረታዊ ሕቶታት ትግራይ ንጎድኒ ብምግዳፍ ኣብ ሰለስተ ጉዳያት ቆላሕታ ከም ዝገብር እዩ ክግለፅ ፀኒሑ።

እቲ ናይ ፕሪቶርያ ስምምዕ ኣብዚ መድረኽ ካብ ፓለቲካዊ ድርድር ናብ ገምጋም ምዕባለ ክቕየር ዝተገበረ ኮይኑ ቀንዲ ትኹረቱ ድማ ምፍታሕን ዕጥቅን ምብታን ሰራዊት ትግራይን ምዃኑ ኣነጺሩ ኣሎ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኣተገባብራ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ፕሪቶርያ ትማሊ ሶኒ 2 መጋቢት፤ 2016 “ስትራተጂካዊ” ዝበሎ ገምጋም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተጀመረ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ ነይሩ እዩ ።
ነቲ ናይ ትማሊ ገምጋም፤ ኣመልኪቱ ኮሚሽን ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡
ናይቲ መስርሕ ሰላም ወሰንቲ ጉዳያት ኢሉ ዝሓዞም
ኣብ ኣወሃህባ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ምፍታሕ ኣጽዋር ትግራይን፡ ሰራዊት በቲንካ ናብ ሕብረተሰብ ዳግም-ምጽንባርን፡
ከምኡ’ውን ዳግመ ህንጸት ትግራይ ዘተኮረ ምዃኖም ዘነፀረ እንትኾን፣ ብወገን ትግራይ ብህጹጽ ክፍጸሙ ዝጥለቡ ከም ምውጻእ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ፤ ምምላስ ተዘዛበልትን ዝተሰደዱ ወገናትን ምውሓስ ድሕነት ናይቶም ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝርከቡ ዜጋታት ዝምልከት ግን ቀዳማይ ትኹረት ከይተውሃቦም ተሪፉ እዩ ዝብል ወቀሳ ገና ኣብ መፈለምትኡ ብወገን ተጋሩ ኽቀርብ ፀኒሑ እዩ ።

ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተደረኸ ኣብ ክንዲ ፖለቲካዊ ድርድር “ስትራተጂካዊ ገምጋም” ዝብል ስያመ ተዋሂቡዎ ዘሎ እቲ ናይ መድረኽ ምውሓስ ሕገመንግስታዊ ሉኣላውነት ትግራይ፣ ምውጻእ ዕጡቓት ጕጅለታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብ ትግራይ፣ ከምኡ ውን ምምላስ ተመዛበልትን ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ወገናትን ምርግጋጽ ፍትሕን ተሓታትነትን ስለምንታይ ቀዳማይ ትኹረ ከም ዘይገበረሎም ኣይተነጸረን።
ኣማስዩ ትማሊ ዝወፀ ሓበራታ ኸምዘመላኽቶ ድማ፣
ስምምዕ ፕሪቶሪያ ካብ ትኳቦ ኣራት ኪሎ ወፂኡ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ብሕብረት ኣፍሪካ መሪሕነት ፈላማይ ኣኼባ ስትራተጂካዊ ኣስተንትኖ ምክያዱ ብባዕሉ ከም ትግራይ ሓደ ፅቡቕ ምዕባለ እዩ ዝብል ፍልፍል እዚ ኣኼባ ካብ ስትራቴጂክ ግምገማ ዝብል ኣሰያይማ እቱ ኣኼባን ካብ ኣጀንድኡን ተበጊስካ፤ ከይዲ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝምልከት ብኹሉ ወገን ዘሎ ሓሳባት ንምስማዕ እምበር፤ ቀደሙ እውን ውሳነ ዘሕልፍ ኣኼባ ኣይነበረን ኢሉ ኣሎ ።
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ከኣ
” ኮይኑ እውን ብወገን መንግስቲ ብልፅግናን ብወገን ህወሓት/ግዚያዊ ምምሕድዳር ትግራይን ዘሎ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝምልከት ፈፂሙ ዘይራኸብ ቅዋም ብግልፂ ክቐርብ ክኢሉ ኣሎ፡፡ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ኣብ ኣራት ኪሎ ተዓቢጡ ዝነበረ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ብቕሉዕ ዝጭፍልቕ ቅዋም መንግስቲ ብልፅግና ኣብ ኣደባባይ ተገሊፁ ኣሎ ኽብል ሓቢሩ ።
“ብኣይተ ጌታቸው፣ ዶ/ር ደብረፅዮን፣ ጀነራል ታደሰ፣ ጀነራል ፃድቃን፣ ኣምባሳደር ወንድሙ፣ ሃንሳን ዶ/ር ፍስሃን ዝተወከለ ልኡኽ ሰላም ትግራይ ቅዋም ትግራይ ብዝምልከት፤ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ወራር ፅንተት እንትጅመር ናብ ዝነበሮ ናብ ንቡሩ ንክምለስ፣ ካልኦት ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ምውፃእ፣ ምምሕድዳርን ፀጥታን ትግራይ ናብ እዘን ቦታት ምምላስ፣ ተመዛበልትን ዝተሰደዱ ህዝብና ናብ መረበቶም ምምላስ፣ እዙይ እንተይተፈፀመ ህዝብና ናብቶም ግፍዒ ፅንተት ዝፈፀሙሉ ሓይልታት ክምለስ ከምዘይኽእል፤ ሙሉእ ከቢድ ብረት ኣረኪብና እናሃለና ክሳብ ሐዚ ካልኦት ባዕዳውያን ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ዘይምውፅኦም፣ ምንም ፋይናንሳዊ ሓገዝ ካብ መንግስቲ ብልፅግና ከይተገበረ ክሳብ ሐዚ ብናይ ባዕልና ወፃኢ ክሳብ 50 ሽሕ ሰራዊት ኣሰናቢትና ኣብ ፀገም ከምዘለዉ፣ ወዘተ ዝብሉ ቅዋማት ብዝርዝር ገሊፆም እዮም ክብል ድማ ዘርዚሩ እዩ ።

ብወገን ብልፅግና ሬድዋን፣ ጌዲዮን፣ ተሾመ፣ ኣየለን፣ ሰለስተ ጀነራላትን ኣብ ዝተሳተፉሉ ኣብዙ ኣኼባ ዘቕረቡዎ ቅዋም ብልፅግና፤ “ዘካትዕ” ዝበሉዎ መሬታት ትግራይ ብዝምልከት ብሪፈረንደም ጥራሕ ከም ዝውሰን፣ ናይ ደገ ዝብሃል ሓይሊ እንተይኾነ ሰራዊት ኢትየጵያ እዩ ዘሎ፣ ተመዛበልቲ እንተልዮም ናብ ቦትኦም ክምለሱ ከም ዝኽእሉ፣ ኤርትራ ሒዛቶ ዝብሃል መሬት ብውዕል ኣልጀርስ ዝተወድአ ከምዝኾነ፣ ደኺምና መሲሉዎም ትግራይ ንኵናት ይዳለዉ ይትንኩሱና ኣለዉ፣ እቱ ዝነበሮም ሰራዊት ክብትኑ ኣይኮነን ሓዱሽ ሰራዊት እናመልመሉ እዮም፣ ወዘተ ዝብሉ ምስ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝዋቓዕን ሓሶት ጠቐነታትን እዮም ኣቕሪቦም።
ተወካሊ ኣሜሪካ ሓመር ብዲፕሎማሲያዊ ኣቀራርባ ካብ ዝበሎ፤ ተመዛበልቲ ክብሮም ተሓልዩ ኣብ ዘተኣማምን ፀጥታዊ ኩነታት እተን ከባቢታት ክምለሱ ከምዘለዎም፣ ብዘይካ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካልኦት ሓይልታት ግድን ክወፁ ከምዘለዎም፣ ሰራዊት ትግራይ እግሪ ንምትካል ድማ ኣሜሪካ 61 ሚልየን ዶላር መዲባ ከም ዘላ ዝሕብር ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንዝርአ ዘሎ ክፍተታት ንምፍታሕን፤ ሰላም፣ ድሕንነትን ምርግጋእን ትግራይ ምእንታን ንምስጓምን፤ ብተመሳሳሊ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካን ተሳትፎ ተዓዘብትን ብቐፃልነት ብስሩዕ ክመኻኸርን ኣብ ውሽጢ ዝቕፅሉ ሒደት ኣዋርሕ ዳግም እዙ ፓነል ንምርኻብን ወሲኖም ኣለዉ፡፡ ኣብዙ ኣኼባ ተዓዘብቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኤውሮፓ፣ ኢጋድን፣ ካልኦትን ተረኺቦም ነይሮም።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ጉዳይ ፖለቲካዊ ድርድር መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ፥ ኣተገባብራ መሰጋገሪ ፍትሒ፣ ምፍታሕ ኣጽዋርን ምውህሃድን ን ካብቶም ቅልጡፍ ስጉምቲ ዘድልዮም ጉዳያት ምዃኖም ገሊፁ።
ስምምዕነት ፕሪቶርያ ካብ ዝትግበር ንደሓር ፌደራል መንግስትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣብ ክልል ትግራይ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምፍጣር ዝተቛረፀ ግልጋሎት ኣብ ምጅማር ዓብዪ ለውጢ ተራእዩ ክብል ዝተሰመዐ ኤቲ ኣቦ ወንበር እንተኾነ ግና ሐዚ ውን ምምላስ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶምን ምውፃእ ወረርቲ ሓይሊታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብ ግዝኣት ትግራይን እቲ ትኹረት ዘይተገበረ ኣጀንዳ ምኳኑ ካብቲ ትሕዝቶ ዘረብኡ ምርዳእ ይከኣል ።

ነዚ ቅዋም ትግራይ ፣ ሕብረት ኣፍሪካን ኢትዮጵያን ድሕሪ ውዕሎ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሕጊ ኣተሓሒዞም ተቋውሞኦም ዝገልፁ ዘለው ገለ ግዱሳት ተጋሩ ሰብ ሞያ ሕጊ ብዛዕባ ስትራተጂካዊ ገምጋም ከይዲ ዘተ ሰላም ኣብ ዝብል ርእሲ
1) ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራል ኢ/ያን ህወሓትን ዘከራኽር ወይ ዘሰሓሕብ ናይ ዶብ (ወሰብ) የለን። ክህሉ እውን ኣይኽእልን። ምኽንያቱ ብሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ መንግስቲ ፌደራል ዘመሓድሮ ክልል ከነ መሬት የብሉን። ኣብ መንጎ ክልላት ናይ ዶብ ይግበአኒ ክህሉ ይኽእል። ዝፍተሐሉ ስርዓት ድማ ብሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ብግልፂ ተቕርሚጡ እዩ።
2) መንግስቲ ፌደራል ንክልላት ብማዕረ ናይ ምርአይን ኣድልዎ ናይ ዘይምግባርን ሕገ መንግስታዊ ሓላፍነት ኣለዎ።
። እዚ መሰረታዊ ናይ ፌደራሊዝም ፅንሰ ሓሳብ እዩ።
3) እቲ ኲናት ወገን መንግስቲ ፌዴራል ሕጊ ናይ ምኽባር ተግባር እዩ ተባሁሉ እንዳሃለወ ናይ ግዝኣት ወይ ወሰን ክርክር መልክዕ ምሓዙ ምስቲ፡ፌደራል መንግስቲ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ንህዝቢ ኢ/ያን ዝዝንትዎ ዝነበረ ዝጋጮ እዩ። ዓብዪ ሸፈጥን ምትላልን እውን እዩ።
4) ህወሓት ይኹን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ሃለዋትን ግዝኣትን ትግራይ ናይ ምውሳን ስልጣን የብሎምን።
5) ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ ብቐንዱ ናይ እቶም ተመዛበልቲ ውሳነ ኮይኑ ከም ህወሓት ይኹን ግዝያዊ ምምሕዳር፥ ዝኾነ ዝምልከቶ ኣካል ንህይወቶም ውሕስ ናብ ዘይኮነ ክምለሱ ምድፋእ ከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣንፃር ሰብኣውነትን እዩ።
6) ብፌደራል መንግስቲ ዝቖመ፥ ናብ ፌደራል መንግስቲ ዝፅዋዕ ኣብ ዝኾነ እዋን ብፌደራል መንግስቲ ክቕየር ዝኽእል ኣካል ፌደራል መንግስቲ ዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ መላእ ትግራይ ከመሓድር ኣይንፈቅድን መሰሓሓቢ ቦታ እዩ እንተይሉ ፊደራል መንግስቲ፥ መልሳ ሓፃር እያ። ህወሓት ኮነ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዚ ዓይነት ፀረ ሕገ መንግስትን ፀረ ህዝብን ድርድር ኣይንቕበልን። ሰልማዊን ሕጋውን ቓልሲ ክንቕፅልን ኢና። መሊስና ናብ ውግእ ክንኣቲ ኣይንደልን፡ ዝሓለፈ ይኣኽል ኢልካ ዓድኻ ምምላስ እያ። ዝብል ነጥብታት ኣቀሚጦም ኣለው ።
ስለዚ ኣብዚ ዞባ ዘላቒ ሰላም ክመፅእ እንተኾተኾይኑ።
ስግግር ፍትሒ ዝምልከት እቲ ከይዲ ካብ መፈለምትኡ ክሳብ ሕዚ ዘለዎ ከይዲ ኣሳታፋይነት፥ ገለልተኝነት፥ ሓቛፋይነት ወዘተ ስለ ዝጎድሎ ዓለም ለኻዊ ባእታ ተወሲኽዎ፡ ዝምልከቶ ኩሉ ብዘሳተፈ ደጊምካ ይሰራሕ።
ብሓፈሻ ትግራይ ብኹሉ መዳይ ቅድሚ ኲናት ትመለስ፣ ሰላም ነውርድ ኢልካ ዝለዓለ ሞራልን ስነ ልቦና ወኒንካ ወጢርካ ምሕዝ እያ።” ዝብል ካልኦት ነጥብታት ድማ ወሲኾም ።
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.